Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 41:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ካብኣቶም ድማ ዓሰርተ ሰባት ንእስማኤል “ሕቡእ መዝገብ፥ ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ በረኻ ኣለና እሞ፥ ኣይትቕተለና” ዝብልዎ ተረኽቡ፤ ንሱውን ካብቶም ኣሕዋቶም ፈልዩ እንተይቐተለ ሓደጎም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 41:8
9 Referencias Cruzadas  

ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር “ ‘ቈርበት ክንዲ ቘርበት’ ከም ዝበሃል፥ ሰብ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር ኵሉ ዘለዎ ይህብ እዩ።


ሰብ ንህይወቱ ብገንዘቡ ይቢዜዋ፤ ድኻ ግና ዘስግኦ የብሉን።


ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥ ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።


እታ እስማኤል ንዅሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ዝደርበየላ ዒላ፥ ንጉስ ኣሳ ንባዖስ ንጉስ እስራኤል ፈሪሑ ዘዅዓታ ገፋሕ ጕድጓድ ነበረት። ንኣኣ እስማኤል ወዲ ናታንያ በቶም ቅቱላት መልኣ።


ሰብ፥ ብዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ረቢሑስ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፥ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?


ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos