5 ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላፀዩ፥ ክዳኖም ዝቐደዱ፥ ሰብነቶም ዘቝሰሉ ሰማንያ ሰባት፥ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መፁ።
ያእቆብ ድማ ኻብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ምስ መፀ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ናብ ዘላ ኸተማ ሴኬም ብደሓን ኣተወ። ኣብ ማዕዶ እታ ኸተማ ኸዓ ሰፈረ።
ሴኬም ወዲ ኤሞር፥ እቲ ኤውያዊ ገዛኢ እቲ ሃገር ድማ ረአያ። ወሰዳ እሞ ምስኣ ደቀሰ፤ ኣነወራውን።
ኣሕዋት ዮሴፍ ጥሪት ኣቦኣቶም ክጓስዩ ናብ ሴኬም ከይዶም ነበሩ።
ሽዑ ሓኖን ንኣገልገልቲ ዳዊት ወሲዱ፥ ፍርቂ ጭሕሞም ላፅዩ፥ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጠቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።
ሮብዓም ናብ ሴኬም ከደ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ኸንግስዎ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ።
ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል ንሴኬም ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሰርሓ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ። ንኣኣ ሓዲጉ ኸዓ ንጵንኤል ሰርሓ።
ንዀረብታ ሰማርያ ድማ ኻብ ሳምር ብሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ዓደጋ፤ ነታ ዀረብታ ዓሪዱ ኸዓ ኣብኣ ኸተማ ሰርሐ፤ ብስም ሳምር ጐይታ እታ ዀረብታ ድማ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ።
ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ ኣክኣብ ወዲ ዘንበሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝአ።
ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንኣባይቲ ዓበይቲ ሰባትን ብሓዊ ኣባርዐን።
ሽዑ ሓኖን ነቶም ንልኡኻት ዳዊት ወሲዱ ላፀዮም፤ ንኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጥቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።
ኣገልገልትኻ ነእማና ፈትዮም እዮምሞ፥ ንመሬታውን ሓዚኖም እዮምሞ።
ነታ መሕደሪ ሴሎ፥ እታ ኣብ ማእኸል ሰብ ሓዲሩላ ንዝነበረ ድንኳኑ ሓደጋ።
ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን መስገዲ ዀረብታታት ይድይቡ ኣለዉ፤ ሰብ ሞኣብ ከዓ ንኸተማታቶም ናባን ሜድባን ብሓዘን ይበኽዩለን ኣለዉ፤ ፀጕሪ ርእሶም ተነፅዩ ጭሕሞም ከዓ ተላፅዩ እዩ።
ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዓቢይን ንእሽተይን ክሞቱ እዮም፤ ግና ኣይቕበሩን እዮም፤ ሓደ እኳ ዝበኽየሎምን ሰብነቱ ዝፅሕብርን ፀጕሩ ዝላፅየሎምን ኣይረኽቡን እዮም።
ንጎዶልያስ ምስ ቀተልዎ ኸዓ ንፅባሒቱ፥ ሓደ እኳ እንተይፈለጠ እንተሎ፥
በራሕነት ኣብ ልዕሊ ጋዛ መፀ፤ ኣስቀሎና ጠፍአት፤ ኣቱም ተረፍ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሰብነትኩም እትፅሕብሩ?
ስለዙይ ርእሲ ዅሉ ተላፅዩ፥ ኵሉ ጭሕሚ ተቘሪፁ፥ ኵላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፤ ኣብ ሕቘታት ድማ ኸሊ ኣሎ።
እምበኣርከስ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፥ ናብ ሴሎ ኺዱ እሞ፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ።
ስለዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ ሴሎ ዝገበርክዎ፥ ስመይ ኣብ ዝተፀውዐሉ ብእትተኣማመኑሉ ቤት፥ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ኣብ ዝሃብክዎ ስፍራ ኸምኡ ኽገብር እየ።
ንሱ ለዋህን፥ ርሕሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥ ክፉእ ነገር ካብ ምምፃእ ዝናሳሕ እዩሞ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።
“ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት፥ ብሓዘን ሰብነትኩም ኣይትፃሕብሩ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ።
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም።
እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዝተማልእዎ ኣዕፅምቲ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ኤሞር ኣቦ ሴኬም ብሚእቲ ቅርሺ [ብሩር] ዝዓደጋ ግራት፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ኾነቶም።
እታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ኽሳዕ ዝነበረትሉ ዅሉ ዘመን፥ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ፅሩብ ምስሊ ንኣኣቶም ኣቚሞምዎ ነበሩ።
ኣቢሜሌክ ወዲ የሩበዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸይዱ፥ ንኣኣቶምን ንዅሎም እቶም ዓሌት ኣቦ እኖኡን ከምዙይ በሎም፦
ንሱ በብዓመቱ እዙይ ብዝገበረ ቝፅሪ፥ ንሳውን በብዓመቱ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብዝደየበትሉ ቝፅሪ፥ ተበሳጭዋ ነበረት፤ ሃናውን ትበኪ ነበረት፤ ዝኾነውን ኣይትጥዕምን ነበረት።