2 ሽዑ እስማኤል ወዲ ናታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባትን ተሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸይምዎ ንዝነበረ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ብሰይፊ ሰዪፎም ቀተልዎ።
ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።
በታ ሻውዐይቲ ወርሒ ግና፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዝነበረ እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ወዲ ኤሊሻማ፥ ዓሰርተ ሰብ ምስኡ መፂኦም ንጎዶልያስ ቀተልዎ፤ ነቶም ምስኡ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ኣይሁድን ከለዳውያንንውን ቀተልዎም።
ክንዲ ሰናይ ክፉእ፥ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ከዓ ፅልኢ ፈደዩኒ።
እቲ ኣነ ዝኣምኖ ናይ ሰላመይ ሰብ፥ እንጀራይ ዝበልዐ፥ ኣብ ልዕለይ ሸዀናኡ ኣልዓለ።
“በዓሊስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ንእስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ክቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶ ትፈልጥ ዲኻ?” በልዎ። ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ኣይኣመኖምን።
ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ንዮሃናን ወዲ ቃሬያ “ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስማኤል ትሕሱ ኢኻ ዘለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣይትግበር” በሎ።
ኤርሚያስ ገና መልሲ እንተይሃበ ናቡዘረዳን ቀፂሉ፦ “ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ተመለስ፤ ምስኡውን ኣብ ማእኸል ህዝቢ ተቐመጥ፤ ወይ ከዓ ናብቲ ቕኑዕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ። እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከዓ ስንቅን ውህብቶን ሂቡ ኣፋነዎ።
ኵሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ፥ ኢዶም ዘይሃቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ኵሎም ሰቦም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ነቶም ናብ ባቢሎን እንተይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን፥ ከም ዘማዕቘቦም ምስ ሰምዑ፥
እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬያ፥ ሰራያ ወዲ ተንሁሜት፥ ደቂ ዮፌ እቲ ነጦፋዊ፥ ያእዛንያ ወዲ ማእካታዊ ምስ ኵሎም ሰቦም ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ።
ነቶም ምስ ጎዶልያስ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅላቶም ኣይሁድን፥ ነቶም ኣብኡ ዝፀንሑ ተዋጋእቲ ከለዳውያንንውን ቀተልዎም።
እዙይ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣነ ነቶም ዝሓረኽዎም እፈልጦም እየ፤ ግና ‘እቲ እንጀራይ ዝበልዕ፥ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዓለ’ ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዙይ ኮነ።