16 ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም እስማኤል ወዲ ናታንያ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ምስ ቀተሎ፥ ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ተሪፎም ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባትን ካብኡ ወሰዶም።
ኵሎም እቶም ዘይተማረኹ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ሰዓብቶም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ከም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ጎዶልያስ፥ ናብ ምፅጳ መፁ። እዚኣቶም እስማኤል ወዲ ናታንያን፥ ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን፥ ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን፥ ያእዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን ነበሩ።
እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ።
ንሱ ኸዓ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ነቶም ምስኡ ዝነብሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ንዅሎም እቶም ህዝብን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ፀዊዑ