12 ኵሉ ሰቦም ሒዞም፥ ንእስማኤል ወዲ ናታንያ ኽዋግኡ ሰዓብዎ እሞ ኣብቲ ኣብ ገባዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት ረኸብዎ።
ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ሹመኛታት ዳዊትን ከዓ ወፂኦም ኣብ ቃላይ ገባዖን ተራኸብዎም። እዚኣቶም ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ፥ እቲኣቶም ድማ ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ።
ኵሎም እቶም እስማኤል ማሪኽዎም ዝነበረ ህዝቢ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያንን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምስ ረአዩ፥ ተሓጐሱ።