11 ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ እቲ ዅሉ እስማኤል ወዲ ናታንያ ዝገበሮ ኽፍኣት ምስ ሰምዑ፥
ኵሎም እቶም ዘይተማረኹ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ሰዓብቶም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ከም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ጎዶልያስ፥ ናብ ምፅጳ መፁ። እዚኣቶም እስማኤል ወዲ ናታንያን፥ ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን፥ ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን፥ ያእዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን ነበሩ።
ኣብ ማእኸል ከተማ ምስ ኣተዉ ግና፥ እስማኤል ወዲ ናታንያንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ሓረድዎም፤ ናብ ጕድጓድ ከዓ ደርበይዎም።
ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ይዘንያ ወዲ ሆሻያን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ እውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ቐረቡ፤
እንኸደላ መንገድን እንገብሮ ግብርን ከርእየና፥ ስለ እዞም ተረፍ፥ ናብ ኣምላኽካ ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ።