10 እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ።
ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ንደቂ እስራኤል ፅቡቕ ዝሓስበሎም ሰብ ከም ዝመፀ ምስ ሰምዑ የመና ጐሃዩ።
ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ጌሳም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፥ ኣላገፁልናን ብንዕቐት ሰሓቑናን። ብምቅላል ድማ፦ “እዝ ንስኻትኩም እትገብርዎ ዘለኹም ነገር እንታይ እዩ? ኻብ ንጉስዶ ኽትዕምፁ ትደልዩ ኣለኹም?” በሉና።
“ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ መቺዩዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ፥ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ዝነግስ የለንሞ፥ ብህይወት ዘመኑ ዘይሰምረሉ መኻን ሰብ፥ ኢልኩም ፀሓፉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ንዅለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ባቢሎናውያን ከውፅእዎም እዮም፤ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኽትባራዕ እያ” በሎ።
ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ ሴዴቅያስ ኣብ ሪብላ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ እውን ኣብኡ ኣቕተሎም።
“በዓሊስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ንእስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ክቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶ ትፈልጥ ዲኻ?” በልዎ። ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ኣይኣመኖምን።
ኵሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ፥ ኢዶም ዘይሃቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ኵሎም ሰቦም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ነቶም ናብ ባቢሎን እንተይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን፥ ከም ዘማዕቘቦም ምስ ሰምዑ፥