1 ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይታ ዓመት፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፥ ወዲ ናታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ መፀ። ኣብኣ ኸዓ ዅሎም ሓቢሮም እንጀራ በልዑ።
ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።
ጎቶልያ እኖ ኣካዝ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረአየት፥ ተሲኣ ንዅሉ ዘርኢ መንግስቲ ኣጥፍኣት።
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃ፥ ወዲ ሳፋልን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፉ፥ ኣብ ይሁዳ መመሓደሪ ገበሮ።
በታ ሻውዐይቲ ወርሒ ግና፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዝነበረ እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ወዲ ኤሊሻማ፥ ዓሰርተ ሰብ ምስኡ መፂኦም ንጎዶልያስ ቀተልዎ፤ ነቶም ምስኡ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ኣይሁድን ከለዳውያንንውን ቀተልዎም።
እኖ ኣካዝያስ ጎቶልያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ፈለጠት፥ ንዅሎም ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ኣጥፍአቶም።
ክንዲ ሰናይ ክፉእ፥ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ከዓ ፅልኢ ፈደዩኒ።
እቲ ኣነ ዝኣምኖ ናይ ሰላመይ ሰብ፥ እንጀራይ ዝበልዐ፥ ኣብ ልዕለይ ሸዀናኡ ኣልዓለ።
ትዕቢት፥ ባእሲ ጥራሕ እዩ ዘምፅእ፤ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዝቕበሉ እያ።
ቍጥዓ ጨካን እዩ፤ ኵራውን ውሕጅ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ክቐውም ይኽእል?
ሽዑ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ናብቲ ፀሓፊ ዘለዎ ኽፍሊ ወረደ። ኤሊሳማ እቲ ፀሓፍን ድላያ ወዲ ሸማያን ኤልናታን ወዲ ኣክቦርን ገማርያ ወዲ ሳፋንን ሴዴቅያስ ወዲ ሃናንያን ኵላቶም ኣሕሉቕን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ።
ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኣብ ክፍሊ ቤት ኤሊሳማ እቲ ፀሓፊ ኣንቢሮም፥ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ ገበላ ኣተዉ እሞ፥ ኵለን እተን ቃላት እቲኣተን ንንጉስ ነገርዎ።
ንኤርሚያስ ካብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ናብ ቤቱ ኽወስዶ ኸዓ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ብሓደራ ሃብዎ። ኤርሚያስ ድማ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ተቐመጠ።
ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ እሞ፥
ኤርሚያስ ገና መልሲ እንተይሃበ ናቡዘረዳን ቀፂሉ፦ “ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ተመለስ፤ ምስኡውን ኣብ ማእኸል ህዝቢ ተቐመጥ፤ ወይ ከዓ ናብቲ ቕኑዕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ። እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከዓ ስንቅን ውህብቶን ሂቡ ኣፋነዎ።
ሽዑ ኤርሚያስ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ ኸደ እሞ፥ ምስኡ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ህዝቢ ተቐመጠ።
ኵሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ፥ ኢዶም ዘይሃቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ኵሎም ሰቦም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ነቶም ናብ ባቢሎን እንተይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን፥ ከም ዘማዕቘቦም ምስ ሰምዑ፥
እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬያ፥ ሰራያ ወዲ ተንሁሜት፥ ደቂ ዮፌ እቲ ነጦፋዊ፥ ያእዛንያ ወዲ ማእካታዊ ምስ ኵሎም ሰቦም ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ።
እታ መንግስቲ ኽትሓምቕ እሞ ኸይትትስእ፥ ብምሕላው ኪዳና ኸዓ ምእንቲ ኽትቀውምስ፥ ካብ ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ወሲዱ፥ ምስኡ ኺዳን ኣተወ፤ ማሕላ ድማ ኣምሓሎ፤ ነቶም ኣውራታት እታ ምድሪ እውን ምስኡ ወሰዶም።
እዙይ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣነ ነቶም ዝሓረኽዎም እፈልጦም እየ፤ ግና ‘እቲ እንጀራይ ዝበልዕ፥ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዓለ’ ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዙይ ኮነ።