9 ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከምዙይ ኢሉ መሓለሎም “ንባቢሎናውያን እንተይፈራሕኹም ተገዝእዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ፤ ኣብዛ ሃገር ከዓ ተቐመጡ እሞ ሰናይ ክኾነልኩም እዩ።
እታ ዘዕርፈላ ቦታ ፅብቕቲ፥ እታ መሬቱ ድማ ልምዕቲ ከም ዝኾነት ምስ ረአየ፥ ንምስካም፥ ማእገሩ ኣትሓተ፤ ፀዓራይ ሓረስታይውን ኮነ።
ጎዶልያስ ድማ “ካብ ሹመኛታት ከለዳውያን ኣይትፍርሑ፤ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ፤ ንንጉስ ባቢሎን ከዓ ተገዝእዎ እሞ ፅቡቕ ነገር ክኾነልኩም እዩ” ኢሉ መሓለሎም፤ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከዓ ኣረጋግኦም።
ፍረ ፃማኻ ኽትምገብ ኢኻ፤ ምስጉን ኢኻ፤ ሰናይውን ክኾነልካ እዩ።
ብእግዚኣብሄር ተኣመን፤ ሰናይ ድማ ግበር፤ ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፤ ተኣሚንካውን ውፈር።
ንስልጣን ንጉስ ባቢሎን ዝእዘዝን፥ ክሳዱ ትሕት ኣቢሉ ዝግዛእን ህዝቢ ግና፥ ኣብ ሃገሩ ኽሓድጎ እየ፤ ንሱ ኽሓርሳን ኣብኣ ኽነብርን እዩ።”
ኣሌፍ። እዛ ብህዝቢ መሊኣ ዝነበረት ከተማ፥ ከመይ ኢላ ሰብ ዘይብላ ተረፈት! እዛ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት፥ ሕዚ ኸመይ ኢላ መበለት ኮነት! እዛ ኣብ ማእኸል ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረት፥ ከመይ ኢላ ተገዛኢት ኮነት?
ኣብ ምድረ በዳ ኻብ ዘሎ ሰይፊ ዝተልዓለ፥ ብህይወትና እንጀራና ነምፅእ ኣለና።