7 ኵሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ፥ ኢዶም ዘይሃቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ኵሎም ሰቦም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ነቶም ናብ ባቢሎን እንተይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን፥ ከም ዘማዕቘቦም ምስ ሰምዑ፥
እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ግና ነቶም ድኻታት እታ ሃገር፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽዓዩን መሬት ክሓርሱን ኢሉ ሓደጎም።
እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ እንተለዉ፥ ቅፅሪ እታ ኸተማ ብሓደ ወገን ኣፍረሱ። እቲ ንጉስን እቶም ሓሻኽሩን ብለይቲ በቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣቢሎም፥ ብመንጎ እቲ ኽልተ መካበቢያ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓለፉ። ናብ ለሰ ዮርዳኖስ ኣቢሎም ከዓ ብለይቲ ሃደሙ።
ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና፥ ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን፥ ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ሓደጎም፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ከዓ ሃቦም።
ንኤርሚያስ ካብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ናብ ቤቱ ኽወስዶ ኸዓ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ብሓደራ ሃብዎ። ኤርሚያስ ድማ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ተቐመጠ።
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ሓሻኽሩን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብለይቲ ኻብታ ኸተማ ብመንገዲ ኣታኽልቲ ንጉስ፥ በታ ኣብ መንጎ ኽልተ ቕፅሪ ዘላ በሪ ወፂኦም ሃደሙ። ብመንገዲ ናብቲ ኣረባ ኣቢሎም እውን ኣምርሑ።
ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ከዓ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ህዝብን፥ ነቶም ቅድም ናብኡ ኸይዶም ዝነበሩ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይታ ዓመት፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፥ ወዲ ናታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ መፀ። ኣብኣ ኸዓ ዅሎም ሓቢሮም እንጀራ በልዑ።
እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ።
ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ እቲ ዅሉ እስማኤል ወዲ ናታንያ ዝገበሮ ኽፍኣት ምስ ሰምዑ፥
ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን፥ ኵሎም እቶም ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ምስ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ሓዲግዎም ዝነበሩን ወሰድዎም። ምስኣቶምውን ንኤርሚያስን ንባሮክ ወዲ ኔርያን ወሰዱ።
ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ነቶም መሬት ዘይነበሮም፥ የመና ድኻታት እታ ሃገር እቲኣ፥ ተኸልቲ ወይንን ሓረስቶትን ክኾኑ ሓደጎም።
“ብዅሎም ህዝቢ እታ ምድሪ፥ ነዝ መባእ እዙይ፥ ነቲ ሓለቓ እስራኤል ክህብዎ ይግብኦም እዩ።