4 ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ሎሚ ነቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ሰንሰለት ፈታሕኹ። ናብ ባቢሎን ምሳይ ክትከይድ ድሌትካ እንተ ኾይኑ ነዓናይ፥ ኣነውን ብፅቡቕ ዓይኒ ኽሪአካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ እንተ ዘይደሊኻ ግና፥ ተቐመጥ፤ እንሆ፥ ኵላ እዛ ሃገር ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ናብቲ ኽትከዶ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ።
ኵላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኻዶ ኣይኮነትን ዘላ? ደጊም ካባይ ተፈለ። ንስኻ ናብ ፀጋም እንተ ኸድካ፥ ኣነ ናብ የማን እኸይድ፤ ንስኻ ናብ የማን እንተ ኸድካ ድማ ኣነ ናብ ፀጋም እኸይድ” በሎ።
ኣቢሜሌክ ድማ “ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ኣብ ዝመረፅካዮ ተቐመጥ” በሎ።
ሽዑ ንስኻ ንኣና ንሓሻኽርካ ‘ክሪኦስ ናባይ ኣምፅእዎ’ በልካና።
ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣብ ኢድካ እያ። ነቦኻን ነሕዋትካን ኣብታ ዝበለፀት ምድሪ ኣቐምጦም። ኣብ ምድሪ ጌሴም ይቀመጡ። ካብኣቶም እትፈልጦም ክኢላታት ሰባት እንተ ሃልዮምኻ፥ ኣብ ከፍተይ ዋናታት ግበሮም” በሎ።
ንጉስ ከዓ ንሃማ “ዝደለኻዮ ኽትገብርስ፥ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንኣኻ ተውሂቡ እዩ” በሎ።
ኤርሚያስ ድማ “ሓሰት እዩ፤ ከዲዐ ናብ ባቢሎናውያን ምኻደይ ኣይኮነን” በለ። የርያ ግና ኣይሰምዖን። እኳ ድኣ ሒዙ ናብ ኣሕሉቕ ወሰዶ።
ጋሜል። ከይወፅእ ብመንደቕ ከበበኒ፤ ንሞቝሐይውን ኣኽበዶ።