16 ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ንዮሃናን ወዲ ቃሬያ “ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስማኤል ትሕሱ ኢኻ ዘለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣይትግበር” በሎ።
ሽዑ እስማኤል ወዲ ናታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባትን ተሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸይምዎ ንዝነበረ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ብሰይፊ ሰዪፎም ቀተልዎ።
ከምቲ ገሊኣቶም “ፅቡቕ ምእንቲ ኽንረክብስ፥ ክፉእ ንግበር” ከም ዝበልና ገይሮም ከካፍኡና ዝፀርፉና፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምኡ ዘይንብል? ነዚኣቶም ዝፍረዶም ፍርዲ ቕኑዕ እዩ።
ፍቕሪ ዘይግባእ ኣይገብርን፤ ፍቕሪ ንኣይ ይጥዓመኒ ኣይብልን፤ ፍቕሪ ኣይበሳጮን፤ ፍቕሪ ኣይቕየምን።