14 “በዓሊስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ንእስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ክቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶ ትፈልጥ ዲኻ?” በልዎ። ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ኣይኣመኖምን።
ንኽፉእ እንተ ራህራህኻሉ ፅድቂ ኣይመሃርን፤ ቅኑዓት ኣብ ዝነብሩሉ ምድሪ ኽፍኣት ይገብር፤ ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይሪኦን።
ንዅሎም ህዝቢ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣሞንን፥
ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ እሞ፥
እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬያ፥ ሰራያ ወዲ ተንሁሜት፥ ደቂ ዮፌ እቲ ነጦፋዊ፥ ያእዛንያ ወዲ ማእካታዊ ምስ ኵሎም ሰቦም ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ።
ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይታ ዓመት፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፥ ወዲ ናታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ መፀ። ኣብኣ ኸዓ ዅሎም ሓቢሮም እንጀራ በልዑ።
እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ።
ሽዑ እስማኤል ወዲ ናታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባትን ተሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸይምዎ ንዝነበረ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ብሰይፊ ሰዪፎም ቀተልዎ።
ንብፃይካ ኣይትእመኖ፥ ብዓርክኻ ድማ ኣይትተኣመን፤ ካብ ኣብ ሕቍፍኻ እትድቅስ ናይ ኣፍካ ደገ ሓሉ።