12 ሽዑ ዅሎም ኣይሁድ ከካብቲ ዝተሰደዱሉ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዅሉ ቦታ ተመለሱ እሞ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ጎዶልያስ ናብ ዘለዎ ናብ ምፅጳ መፁ፤ የመና ብዙሕ ፍረ ሓጋይ ድማ ኣከቡ።
ደረቕ ሳዕሪ ምስ ተዓፀደ፥ ሓዲሽ ለምለምውን ምስተርኣየ፥ ኣብ እምባታት ዘሎ ሰኾይ ከዓ ምስ ተኣከበ፥
ስለዙይ ከምቲ ንኢያዜር ዝበኽየላ ዘለኹ፥ ንኣታኽልቲ ወይኒ ሴባማውን እበኽየሉ ኣለኹ። ኣብ ፍረ ሓጋይ፥ ኣብ ቀውዒ፥ ወኻዕታ ድምፂ ዂናት ወዲቑኪ እዩ እሞ፥ ኦ ሄስቦን፥ ኦ ኤልያሊ፥ ብንብዓተይ ኣተርክሰክን ኣለኹ።
እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዝመፁ ባቢሎናውያን፥ ክቖመልኩም ኣብ ምፅጳ ኽቕመጥ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዘለላ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ፍረ ሓጋይን ኣክቡ፤ ኣብ ማዕኸናትኩም ከዓ ኣንብሩ እሞ፥ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ” ድማ በሎም።
ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ እሞ፥
እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ።
ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ኻብተን ተቐሚጦምወን ዝነበሩ ሃገራት ዝተመለሱን፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ይሁዳ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስኣቶም ንግብፂ ወሰድዎም።
ግና ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ፥ ንኣኣ ምፍሳስን ምስ ሓደግና፥ ኵሉ ነገር ሰኣንና፤ ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።”
ኣባጊዐይ ኣብ ኵሉ እምባታትን፥ ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ተባረራ፥ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፤ ብዛዕባኣተንውን ግዲ ዘለዎን ዝደልየንን የለን።”