Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 40:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዝመፁ ባቢሎናውያን፥ ክቖመልኩም ኣብ ምፅጳ ኽቕመጥ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዘለላ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ፍረ ሓጋይን ኣክቡ፤ ኣብ ማዕኸናትኩም ከዓ ኣንብሩ እሞ፥ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ” ድማ በሎም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 40:10
15 Referencias Cruzadas  

ዳዊት ካብ ርእሲ እቲ እምባ ቑሩብ ምስ ሓለፈ፥ እንሆ፥ ሲባ ኣገልጋሊ ሜምፊቦስቴ ክልተ ሚእቲ እንጀራን ሚእቲ እሳር ዘቢብን ሚእቲ ጎጎ በለስን ሓደ ሓርቢ ወይንን ዝተፅዓና ኽልተ ኣእዱግ ሒዙ ተራኸቦ።


እዞም ሰብካ ኽንደይ ተዓዲሎም! እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዝሰምዑ ኣገልገልትኻ ብፁኣን እዮም!


ብሞያኡ ኽኢላ ንዝኾነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ? ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዝቐውም እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ታሕተዎት ሰባት ኣይቐውምን።


ደረቕ ሳዕሪ ምስ ተዓፀደ፥ ሓዲሽ ለምለምውን ምስተርኣየ፥ ኣብ እምባታት ዘሎ ሰኾይ ከዓ ምስ ተኣከበ፥


ስለዙይ ከምቲ ንኢያዜር ዝበኽየላ ዘለኹ፥ ንኣታኽልቲ ወይኒ ሴባማውን እበኽየሉ ኣለኹ። ኣብ ፍረ ሓጋይ፥ ኣብ ቀውዒ፥ ወኻዕታ ድምፂ ዂናት ወዲቑኪ እዩ እሞ፥ ኦ ሄስቦን፥ ኦ ኤልያሊ፥ ብንብዓተይ ኣተርክሰክን ኣለኹ።


‘ካብ ወገን ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ሰብ ንዘለኣለም ኣይሰኣንን እዩ’ ይብል ኣሎ።”


ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና፥ ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን፥ ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ሓደጎም፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ከዓ ሃቦም።


ሽዑ ዅሎም ኣይሁድ ከካብቲ ዝተሰደዱሉ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዅሉ ቦታ ተመለሱ እሞ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ጎዶልያስ ናብ ዘለዎ ናብ ምፅጳ መፁ፤ የመና ብዙሕ ፍረ ሓጋይ ድማ ኣከቡ።


ሽዑ ኤርሚያስ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ ኸደ እሞ፥ ምስኡ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ህዝቢ ተቐመጠ።


ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ኻብተን ተቐሚጦምወን ዝነበሩ ሃገራት ዝተመለሱን፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ይሁዳ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስኣቶም ንግብፂ ወሰድዎም።


ኦ ወይኒ ሴባማ! ኻብ ንኢያዜር ዝበኸኹሎም ኣብሊፀ ንኣኺ ኽበኽየልኪ እየ። ጨናፍርኪ ባሕሪ ተሳጊሩ፥ ክሳዕ ባሕሪ ኢያዜር በፅሐ። እቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ቀውዒ ወይንኽን መፀ።


ፍረ ኦምን ፍረ ወይንን ምስተኣረዩ፥ ከም ዝተረፈ ቐሪም ኮይነ ኣለኹሞ ወይለይ! ንምግቢ ዝኸውን፥ ነፍሰይውን ዝተመነየቶ፥ ኣቐዲሙ ዝበሰለ በለስውን የለን።


እምበኣርከስ ካብቲ ዅሉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽተምልጡን፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብውን፥ ደው ምባል ምእንቲ ኽትክእሉን፥ ኵልሻዕ ተጊህኹም ፀልዩ።”


እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝቐውም ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና ኽኣትዋ እዩ። ንሱ ነታ ምድሪ ንእስራኤል ከውርሶም እዩ እሞ ኣተባብዓዮ።


“ፍርያት ካብ ዓውድኹምን ካብ መፅመቝ ወይንኹምን ምስ ኣከብኩም፥ በዓል ዳስ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዕሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos