1 ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ንኤርሚያስ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን፥ ናብ ባቢሎን ናብ ዝተወሰዱ ማእኸል ኵሎም ምሩኻት፥ ብሰንሰለት ኣሲሩ ምስ ኣምፅኦ፥ ካብ ራማውን ፈቲሑ ምስ ሰደዶ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ።
ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ሽዱሽተን ዓመቱ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ወፀ፤ ናብ ንጉስ ይሁዳ ናብ ኣሳ ዝኾነ ሰብ ከይኣቱን ከይወፅእን ከዓ ንራማ ዓረዳ።
ንሱ ነቲ ናይ ነሃስ በርታት ሰቢሩ እዩ እሞ፤ መሸጐር ሓፂናትውን ቈራሪፁ እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ነቶም በይንቶም ዝኾኑ ኣብ ስድራ የሕድሮም፤ ንእሱራትውን ብሓይሉ የውፅኦም፤ ዓመፀኛታት ግና ኣብ ምድረ በዳ ይነብሩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ኣርማቴም ድምፂ ዋይ ዋይታን፥ ድምፂ መሪር ብኽያትን ተሰምዐ፤ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፤ የለዉን እሞ፤ ስለ ደቃ ምፅንናዕ ኣበየት።”
ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ከዓ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ህዝብን፥ ነቶም ቅድም ናብኡ ኸይዶም ዝነበሩ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኤርሚያስ ከምዙይ በሎ፦
ኮነ ድማ፥ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ነታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናባይ መፀ እሞ፥ እታ ኸተማስ ተትሒዛ በለኒ።
ሽዑ ጳውሎስ “ንምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ስለ ምንታይከ ትበኽዩ? ንምንታይከ፥ ልበይ ትሰብሩኒ ኣለኹም? ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንማእሰርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሙማትውን ድልዊ እየ” ኢሉ መለሰ።
እምበኣር ብዛዕባ እታ ተስፋ እስራኤል እየ፥ በዝ መቝሕ እዙይ ተኣሲረ ዘለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ እየ ኸዓ፥ ክሪአኩምን ክዛረበኩምን ዝፀዋዕኩኹም” በሎም።
ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ፥ ምእንታኡ ኸምቲ ዝግብአኒ፥ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ፀልዩለይ።
ገባዖንን ራማን ብኤሮትን፥
ቤቱ ኣብ ኣርማቴም ስለ ዝነበረት፥ ናብኣ ይምለስ ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።