3 እግዚኣብሄር ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፅግእኹም ሕረሱ፤ ኣብ እሾዅ ኣይትዝርኡ።
ምድሪ እሾዅን ኣሜከላን ተብቍለልካ፤ በቝሊ በረኻ ድማ ኽትበልዕ ኢኻ።
በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፥ ድኻ ህዝብኻ ኻብኣ ምእንቲ ኽበልዕ፥ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ በረኻ ምእንቲ ኽበልዖ፥ ክተዕርፍ ሕደጋ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር።
እግዚኣብሄር መፂኡ፥ “ፅድቂ ኽሳዕ ዘዝንመልኩም፥ ንኡኡ እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ብፅድቂ ዝርኡ፤ ከም መጠን ምሕረቱ ድማ ዕፀዱ፤ ሓድሽ ፅግኢውን ሕረሱ” በልኩ።
እቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ።
ገሊኡ ድማ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ዓብዩ ሓነቖ።
ገሊኡ ኸዓ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾኽ ከዓ ዓብዩ ሓነቖ፤ ፍረውን ኣይሃበን።
እቲ ኣብ እሾዅ ዝወደቐ ኸዓ፥ እቶም ምስ ሰምዑ፥ ከይዶም ናይ ዓለም ሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ዝሓንቆምሞ፥ ኣብ ፍረ ዘይበፅሑ እዮም።
ገሊኡውን ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ምስኡ ዓብዩ ሓነቖ።