29 ካብ ድምፂ ፈረሰኛታትን፥ ወርወርቲ ፍላፃታትን ዝተልዓለ፥ ኵሉ ኸተማታት ይሃድም፤ ገሊኣቶም ናብ ዕሙር ዱር ክኣትዉ፥ ገሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ኣኻውሕ ክድይቡ እዮም። ኵለን ከተማታት ክሕደጋ እየን፤ ኣብኣተን ዝነብር ሰብ እውን ኣይርከብን።
ሽዑ እግዚኣብሄር ናይ ንጉስ ኣሶር ኣሕሉቕ ሰራዊት ሰዲዱ ንይሁዳ ኸም ዝወርዋ ገበረ። ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሓዝዎ፤ ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
ብምፍርራሕ ሓደ ሰብኣይ፥ ካባኻትኩም ሽሕ ሰባት ክሃድሙ እዮም። ኣብ ልዕሊ ጫፍ እምባ ኸም ዝተተኸለ፥ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ኸም ዝቖመ ምልክት ኴንኩም ክሳዕ እትተርፉ፥ ኵልኹም ክትሃድሙ ኢኹም። ካብ ምፍርራሕ ሓሙሽተ ሰባት ዝተልዓለ ኽትሃድሙ ኢኹም።
እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዘግዕዞም ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ እውን ፅምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዝበዝሑ እዩ በለኒ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።
ኣንበሳ ካብ ፀምፀም ዱር ወፂኡ ኣሎ፤ ንኣህዛብ ዝዘምትውን ተሲኡ ኣሎ፤ ንምድርኺ ባድማ ኽገብር ድማ ካብ ስፍራኡ ወፂኡ ኣሎ፤ ከተማታትኪ ኸዓ ሓደ እኳ ዝነብረለን ክሳዕ ዝሰኣን ክዓንዋ እየን።
ሽዑ እታ ኸተማ ጋሕ ኢላ ተኸፍተት። ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ እኳ እንተ ነበሩ፥ ኵላቶም እቶም ተዋጋእቱ ብለይቲ መሊቖም ወፁ፤ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓሊፎም ከዓ፥ ናብ ዓረባ ኣቢሎም ሃደሙ።
ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ፥ ጨካናት፥ ምሕረትውን ዘይብሎም እዮም። ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ይቕመጡ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰልፊ ኸም ዝተዳለወ ሰብ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለዉ።”
ንጐይታ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ረአኽዎ። ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እቲ ልዳውቲ ኽሳዕ ዝነቓነቕ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፤ ተሰባቢሩ ኸዓ ኣብ ርእሲ እቶም ህዝቢ ይውደቕ። ኣነ ኸዓ ነቶም ካብኣቶም ዝተረፉ፥ ብሰይፊ ኽቐትሎም እየ። ካብኣቶምስ ሓደ እኳ ኣየምልጥን፤ ዘምልጥውን ኣይድሕንን እዩ።
በቲ ጊዜ እቱይ ‘ንእምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ፤ ንዀረብታታትውን ከውሉና፥ ምባል ክጅምሩ እዮም።’
እቶም ሰብ እስራኤል፥ ፍልስጥኤማውያን ንሰራዊቶም ከም ዘፅበቡሎም ምስ ረአዩ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ዱርን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ ዒላታትን ተሓብኡ።