22 “ህዝበይ ዓያሹ እዮም እሞ ንኣይ ኣይፈልጡንን፤ ድንዙዛት ደቂ እዮም፤ ምስትውዓልውን የብሎምን። ክፉእ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፤ ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”
ነቲ ኽዳኑ ድማ ጐይታኡ ናብ ገዛኡ ኽሳዕ ዝመፅእ ምስኣ ሒዛቶ ፀንሐት።
ንኣምኖን ድማ፥ ወዲ ሓዉ ንዳዊት ወዲ ሳምዓ፥ ኢዮናዳብ ዝስሙ ፈታዊ ነበሮ። ኢዮናዳብ የመና ጐራሕ ሰብ ነበረ።
ቃል ኣፉ ግፍዕን ጥበራን እዩ፤ ምስትውዓልን ሰናይ ምግባርንውን ሓደገ።
ኣብ ምድቃሱ ጠዋይ ነገር ሓሰበ፤ ቅንዕቲ ብዘይኮነት መንገዲ ቖመ፤ ንኽፍኣትውን ኣይንዕቓን።
ንህዝበይ እንጀራ ኸም ዝበልዕ ዝበልዑ፥ ኵሎም ገበርቲ ግፍዒ ኣይፈልጡንዶ? ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን።
ኣይፈልጡን፤ ኣየስተውዕሉን፤ ኣብ ውሽጢ ፀልማት ይመላለሱ፤ ኵሉ መሰረት ምድሪ ተናወፀ።
ክፉኣት ሰባት ፍትሒ ኣየስተውዕሉን፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝእዘዝዎ ግና፥ ንዅሉ የስተውዕልዎ።
ብዕራይ ንዋናኡ፥ ኣድጊውን ናይ ጐይታኡ መብልዒ ኸፍቲ ይፈልጥ፤ እስራኤል ግና ኣይፈለጠን፤ ህዝበይውን ኣየስተውዓለን።
ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።
ኵላቶም ድንዙዛትን ዓያሹን እዮም፤ ከንቱ ናይ ጣዖታት ትምህርቲ፥ ዕንፀይቲ እዩ።
ኢትዮጵያዊ ሕብሩ፥ ነብሪ ዝንጕርጕርነቱ፥ ክልውጥዶ ይኽእል እዩ? እምበኣር ንስኻትኩምውን ክፉእ ምግባር ዝለመድኩም፥ ፅቡቕ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
“ካህናት፥ ‘እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ?’ ኢሎም ኣይጠየቑን፤ መምህራን ሕጊ ድማ ኣይፈለጡንን፤ መራሕቲ ህዝቢ እውን ጠለሙኒ፤ ነቢያት ብስም ጣዖት በዓል ተነበዩ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ኸዓ ተኸተልዎም።”
ክሳዕ መኣዝ እየ ዕላማኡ ዝርኢ፥ ድምፂ መለኸትውን ዝሰምዕ?
ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፥ ዓይኒ እንተለዎም ዘይሪኡ፥ እዝኒ እንተለዎም ድማ ዘይሰምዑ ሰነፋት ህዝቢ፥ ነዙይ ስምዑ።
ኣነ ኸዓ “እዚኣቶም መንገዲ እግዚኣብሄርን ሕግጋት እግዚኣብሄርን ስለ ዘይፈለጡ፥ ብርግፅ ድኻታትን ሰነፋትን እዮም።
ህዝበይ ኵላቶም ዘመውትን፥ ጉባኤ ጠለምትን ኮይኖም እዮም እሞ፥ ንህዝበይ ክሓድጎም፥ ካብኣቶምውን ንኽፍለስ ኣብ ምድረ በዳ መሕደሪ ኣጋይሽ መን ምሃበኒ!
ንሳቶም ንልሳኖም ከም ቀስቲ ገይሮም፥ ሓሰት ይግትሩ ኣለዉ፤ ኣብ ምድሪ ብሓሰት በርትዑ፥ ግና ንሓቂ ኣይኮነን። ካብ ክፍኣት ናብ ክፍኣት ይኸዱ ኣለዉ፤ ንኣይ ኣይፈለጡንን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዐሽዎ፤ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ የለን፤ ንመልሓሶም ሓሰት ምዝራብ የልምድዎ፤ ሓጢኣት ንምግባርውን ይደኽሙ።
ኵሉ እዝ ግብሪ እዙይ “እታ ዘይትሓፍር ኣመንዝራ እትገብሪ፥ ኣብ ኵሉ ወሰን መንገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ ኣብ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፥ ዋጋ ስለ ዝነዓቕኪ ኸም ካልኦት ኣመንዝራታት ኣይነበርክን፤ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ኾን እዩ እቲ ልብኺ!” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
ህዝበይ ፍልጠት ካብ ምስኣኑ ዝተልዓለ ይጠፍእ ኣሎ። ንስኻትኩም ፍልጠት ስለዝነዓቕኩም ኣነውን ካህናት ከይትኾኑኒ ነዓቕኩኹም። ሕጊ ኣምላኽኩም ስለዝረሳዕኹም፥ ኣነውን ንደቅኹም ክርስዖም እየ።
መንፈስ ኣመንዝራነት ኣብ ውሽጦም ኣሎሞ፥ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፥ እቲ ስራሖም ናብ ኣምላኾም ንኽምለሱ ኣይፈቕደሎምን።
“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቶም በደል ዝምህዙ፥ ኣብ መደቀሲኦም ከዓ ኽፉእ ዝፍሕሱ ወይለኦም! ስልጣን ኣብ ኢዶም ስለ ዝኾነ፥ ብብርሃን ወጋሕታ ኽፍፅምዎ እዮም።
ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽገብሩዎስ፥ ኣእዳዎም ንኽፍኣት የልዕሉ፤ ገዛኢ ጉቦ ይደሊ፤ ፈራዲ ድማ ጉቦ ይቕበል። ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፤ ከምኡውን ብሓባር ክፍኣት ይጕንጕን።
ነቲ ዓመፀኛ መጋቢ፥ ብጥበብ ስለ ዝገበረ፥ ጐይታኡ ነኣዶ፤ ካብ ደቂ ብርሃንስ፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ናብራ ዓለም ይበላሓቱ እዮም እሞ።
እዝ ዅሉ ዝገብሩኹም፥ ነቦይ ኮነ ንኣይ፥ ስለ ዘይፈለጡ እዮም።
ለባማት ኢና እኳ እንተ በሉ፥ ዓሻታት ኮኑ።
ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነውሪ ኽፍፅሙ፥ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።
ንወንጌል ተኣዘዝቲ ምዃንኩም፥ ኣብ ኵሉ ስለ ዝተሰምዐ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ። ንሰናይ ነገር ብልህታት፥ ንክፉእ ግና የዋሃት ክትኮኑ እደሊ ኣለኹ።
ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልዮ የለን፤
ኣሕዋተይ፥ በተሓሳስባኹም ከም ህፃናት ኣይትኹኑ፤ ንኽፉእ ደኣ ህፃናት ኩኑ እምበር፥ በተሓሳስባኹምስ ብሱላት ኩኑ።
“ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም፤ ምስትውዓል ከዓ የብሎምን።
ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄርዶ እዙይ ትፈድዮ? እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻኸ ንሱዶ ኣይኮነን? ዝፈጠረካን ዘቖመካን ንሱዶ ኣይኮነን?”