21 ክሳዕ መኣዝ እየ ዕላማኡ ዝርኢ፥ ድምፂ መለኸትውን ዝሰምዕ?
ነቢይ ኤርሚያስ ንኢዮስያስ ኣልቀሰሉ፤ ኵሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ንኢዮስያስ ዘኪሮም ከልቅሱ እንተለዉ ኽሳዕ ሎሚ ነቲ መልቀሱ ይደግምዎ ነበሩ። እዙይ ኣብ እስራኤል ልሙድ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ መፅሓፍ መልቀስ ተፅሒፉ ኣሎ።
እታ ዓመት ምስ ሓለፈት ድማ፥ ንጉስ ናቡከደነፆር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ኽቡር ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንሴዴቅያስ ሓወቦኡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ንንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊኣቶም ኣተስኦ። ንሱ ነጓብዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሰይፊ ቐተሎም፤ ንመናእሰይን ንደናግልን ንዓበይትን ንኣረጋውያንን ኣይራህርሀሎምን። እግዚኣብሄር ንዅሎም ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ኣሕሊፉ ሃቦም።
ንጉስ ግብፂ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ መንግስቱ ሰዓሮ፤ ነታ ሃገር ከዓ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቅን ክትግብር ኣዘዛ።
ኣምዑተይ! ኣምዑተይ! ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ። ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ። ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥ ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥ ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።
ጥፍኣት ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ይወርድ ኣሎ፤ ኵላ እታ ሃገር ዓንያ እያ፤ ድንኳናትና ብድንገት፥ መጋረጃታትና ድማ ከም ቅፅበት ዓይኒ ጠፍኣ።
“ህዝበይ ዓያሹ እዮም እሞ ንኣይ ኣይፈልጡንን፤ ድንዙዛት ደቂ እዮም፤ ምስትውዓልውን የብሎምን። ክፉእ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፤ ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”
ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ።