2 ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ቃለይ ስለ ዝሰማዕኻ ድማ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ።
ሰሎሞን ድማ “ንስኻ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት ብዙሕ ምሕረት ገበርካሉ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ ብእምነትን ብፅድቅን ብቕንዕና ልብን ተመላለሰ፤ ነዝ ዓብዪ ምሕረት እዙይ ሓሊኻ ኸዓ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ ወዲ ሃብካዮ።
ስሙ ንዘለኣለም ቡሩኽ ይኸውን፤ ቅድሚ ፀሓይ ስሙ ኣሎ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብእኡ ኽባረኹ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኸመስግንዎ እዮም።
ክቡር ንጉስ ፍትሒ ይፈቱ፤ ንስኻ ንቕንዕና ኣፅናዕኻያ፤ ንስኻ ፍትሕን ፅድቅን ንያእቆብ ገበርካ።
ቃል ፅድቂ ኻብ ኣፈይ ወፂኡ ኣሎ፤ ኣይምለስንውን እዩ፤ ‘ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኸለይ፥ ኵሉ ልሳን ከዓ ብኣይ ክምሕል እዩ’ ኢለ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ።”
ኵሎም ዘርኢ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ክፀድቁ፥ ብእኡውን ክምክሑ እዮም።”
እቲ ኣብ ምድሪ ዝተባረኸ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክባረኽ እዩ፤ እቲ ኣብ ምድሪ ዝምሕል፥ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክምሕል እዩ፤ እቲ ናይ ቀደም መከራ ተረሲዑ፥ ካብ ዓይነይውን ተሰዊሩ እዩሞ።”
እግዚኣብሄር ግና ናይ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣምላኽ፤ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፤ ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን።
ምስ ነቐልኩዎም ግና፥ መሊሰ ኽምሕሮም እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናብ ርስቱን ነናብ ሃገሩን ክመልሶ እየ።
ብበዓል ክምሕሉ ንህዝበይ ከም ዝመሃሩዎም ንሳቶም ድማ መንገዲ ህዝበይ ብትግሃት እንተ ተምሃሩ፥ ህያው እግዚኣብሄር ኢሎም ብስመይ እንተ መሓሉ፥ ሽዑ ኣብ ማእኸል ህዝበይ ክምስረቱ እዮም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።
ሽዑ ኢየሩሳሌም ዙፋን እግዚኣብሄር ክትብሃል እያ፤ ኵላቶም ኣህዛብ ከዓ ብስም እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ፥ ድሕሪዙይ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይገብሩን እዮም።
እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እቲ ዅሉ ንኣኣ ዝገበርክዎ ሰናይ ነገር፥ አብ ቅድሚ እቶም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንስም ንደስታ ንምስጋና ንኽብሪ ኽትኮነኒ እያ፤ ካብቲ ዅሉ ኣነ ዝህባ ሰናይን ሰላምን ዝተልዓለ ድማ፥ ክፈርሑን ከንቀጥቅጡን እዮም።”
“ህያው እግዚኣብሄር” ኢሎም እኳ እንተ መሓሉ፥ ማሕላኣቶም ሓሰት እዩ።
“ንመንገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣፀቢቕኩምዎ፥ ኣብ መንጎ ንስንሳትኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፥
ዝምካሕስ፥ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ፅድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይመካሕ፤ ንኣይ ደስ ዘብሉ እዚኣቶም እዮምሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ንዘለኣለም ንኣይ ክትኮኒ ኽሕፀየኪ እየ፤ ብፅድቅን ብፍርድን ብምሕረትን ብርህራሀን ክሓፅየኪ እየ።
እምበኣርከስ ሕዚ እውን፥ ብፆምን ብብኽያትን ብሓዘንን፥ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ከም ዝብሎ፥
መፅሓፍውን እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ብእምነት ከም ዘፅድቖም ኣቐዲሙ ሪኡ “ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም” እናበለ፥ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ወንጌል ኣብሰሮ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሕዎ፤ ንእኡ ኣምልኹ፤ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ፤ ብስሙ ጥራሕ መሓሉ።
ምስ ፀበበኩምን፥ እዝ ዅሉ ምስ በፅሐኩምን ግና፥ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትምለሱ ኢኹም፤ ቃሉ ኸዓ ኽትሰምዑ ኢኹም።
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሑ፤ ንእኡ ጥራሕ ኣምልኹ፤ ብስሙውን መሓሉ።
ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።
ንሎሚ ለይቲ ሕደሪ፥ ፅባሕ ድማ ንሱ እንተ ወረሰኪ፥ ፅቡቕ፥ ይውረስኪ። ክወርሰኪ እንተ ዘይደለየ ግና፥ ኣነ ኸም ዝወርሰኪ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ሕዚ ግና ኽሳዕ ዝወግሕ ደቅሲ” በላ።
ዳዊት ግና መሊሱ “ኣቦኻ፥ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዙይ ከዓ፥ ‘ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዙይ ኣይፍለጥ’ ኢሉ ሓሲቡ ኣሎ። ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን፥ ስጕምቲ ጥራሕ ተሪፉ ኸምዘሎ፥ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለ።