13 እንሆ ኸም ደመና ኾይኑ ይወፅእ ኣሎ፤ ሰረገላታቱ ኸም ኣውሎ ንፋስ እዮም፤ ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ ወይለና!
ሳኦልን ዮናታንን ዝፋተዉን ዝተሓባበሩን ነበሩ፤ ኣብ ህይወቶምን፥ ኣብ ሞቶምን ኣይተፈላለዩን፤ ካብ ንስሪ ዝቕልጥፉ፥ ካብ ኣንበሳ ዝሕይሉ ነበሩ።
እግዚኣብሄርን ኣፅዋር ቍጥዓኡን ነታ ምድሪ ብምልእታ ኸጥፍኡ ኻብ ወሰን ሰማይን ካብ ርሑቕ ሃገርን ክመፁ እዮም።
ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።
ነዒንቲ ኽብሩ ኸቘጥዑ፥ ልሳኖምን ግብሮምን ኣንፃር እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ኢየሩሳሌም ሰንከልከል ትብል ኣላ፤ ይሁዳ ኸዓ ትወድቕ ኣላ።
ፍላፃታቶም በላሕቲ እየን፤ ኵሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፤ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት፥ መንኰራዅር ሰረገላታቶምውን ከም ኣውሎ ንፋስ እዩ።
ቍጥዓኡ ብመዓት፥ መግናሕቱ ኸዓ ብሃልሃልታ ሓዊ ኽፈዲ፥ እንሆ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኽመፅእ እዩ፤ ሰረገላታቱውን ከም ንፋስ ኣውሎ ክኾና እየን።
“ስለ ስብራተይ ወይለይ፤ ቍስለይ ዝኸፍአ እዩ፤ ኣነ ግና እዙይ ናይ መከራ ቝስለይ እዩ እሞ፥ ክፅመሞ እየ በልኩ።
እቲ ኻባይ ዝመፅእ ንፋስ ካብኡ የመና ዝበርትዐ ክኸውን እዩ፤ ኣነውን ሕዚ ፍርደይ ክነግሮም እየ።
ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።
ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየ! ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥ ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኸም ንስሪ ይነፍር፥ ኣብ ልዕሊ ሞኣብውን ኣኽናፉ ይዝርግሕ ኣሎ።
እንሆ፥ ከም ንስሪ ኽነፍር፥ ኣኽናፉውን ኣብ ልዕሊ ባሶራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምያስ፥ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።”
ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ፥ ጨካናት፥ ምሕረትውን ዘይብሎም እዮም። ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ይቕመጡ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰልፊ ኸም ዝተዳለወ ሰብ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለዉ።”
“ኣታ ኽንደይ ተዘመትና! ንኣባይትናውን ኣፍሪሶምዎ እዮም እሞ፥ ምድርናውን ሓዲግና ኢናሞ፥ ውርደትናኸ ኽንደይ ዓብዪ እዩ!” ዝብል ድምፂ ቝዘማ ኻብ ፅዮን ይስማዕ ኣሎ።
ቆፍ። ሰጐጕትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ይቕልጥፉ፤ ኣብ እምባታት ሃደኑና፤ ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣድበዩልና።
ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ ዝተልዓለ፥ ኣቦራ ኸጐልብበኪ እዩ፤ ብፍሩስ ቅፅሪ ኣብ ከተማ ኸም ዝኣትዉ፥ ንሱ ብኣፍ ደገታትኪ ኽአቱ እንተሎ፥ ህዱድ ብምባል ብፈረሰኛታቱን ብመንኰራዅሩን ብሰረገላታቱን፥ ቅፅርታትኪ ኽናወፅ እዩ።
ንስኻ ኽትድይብ፥ ከም ህቦብላ ንፋስ ከዓ ኽትመፅእ ኢኻ፤ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን፥ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ከምቲ ንምድሪ ዝጕልብብ ደመና ኽትከውን ኢኻ።”
“ኣብ መወዳእታ ዘመን፥ ንጉስ ደቡብ ምስኡ ኽዋጋእ እዩ። ንጉስ ሰሜን ድማ ብሰረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን፥ ከም ንፋስ ኣውሎ ኾይኑ ኽመፆ እዩ፤ ናብተን ሃገራት ድማ ኽኣቱን ክውሕጅን ክሓልፍን እዩ።
እቲ ቐዳማይ ኣንበሳ ይመስል፤ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዝንቀል ከዓ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል በለ፤ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፤ ልቢ ሰብውን ተውሃቦ።
መለኸት ናብ ኣፍካ ኣቕርብ፤ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፥ ሕገይ ከዓ ጥሒሶም እዮምሞ፥ ከም ንስሪ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብምስላ ኽምስሉልኩም ብፅኑዕ መልቀስውን ከልቅሱልኩም እዮም፤ “ንሳቶምውን ፈፂምና ጠፊእና ኢና፤ ነቲ ግደ ህዝበይ ይሰፍር፤ ንእኡ ዝኽልክል የለን፤ ነቲ ገራሁና ንኸዳዕተኛታት ይዕድል” ይብሉ።
እግዚኣብሄር፥ ንቝጥዓ ዝደንጐየ፥ ሓይሉ ድማ ዓብዪ እዩ፤ ነቲ በዳሊ ንፁህ ኢኻ ኣይብልን፤ እግዚኣብሄር ብንፋስ ኣውሎን ብመሸምቦባን መንገዲ ኣለዎ፤ ደመናውን በነንታ እግሩ እዩ።
“ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፤ ካብ ተዅላ ምሸትውን ይጭክኑ። ፈረሰኛታቶም ቀልጢፎም ይጋልቡ፤ ካብ ርሑቕ ስፍራውን ይመፁ። ከምቲ ነጢቁ ንምብላዕ ዝሃፅፅ ንስሪ ይነፍሩ።
መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ፥ ኣርባዕተ ሰረገላታት፥ ካብ መንጎ ኽልተ እምባታት ክወፁ እንተለዉ ድማ ረአኹ። እቶም እምባታት፥ እምባታት ነሃስ ነበሩ።
ሽዑ ኸዓ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክረአ እዩ፤ እንሆ ድማ ዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን፥ ብደመና ሰማይ እንትመፅእ ምስ ረአይዎ ኽበኽዩ እዮም።
“ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ።
እንሆ ንሱ ብደመና ኽመፅእ እዩ፤ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎውን ክሪእዎ እዮም፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ፥ ብእኡ ምኽንያት ክበኽዩ እዮም። እወ፤ ኣሜን።