12 እቲ ኻባይ ዝመፅእ ንፋስ ካብኡ የመና ዝበርትዐ ክኸውን እዩ፤ ኣነውን ሕዚ ፍርደይ ክነግሮም እየ።
መፈንጠር ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን የዝንም፤ ጕሁር ሓዊን ዲንን ኣውሎ ንፋስን፥ ዕድል ፅዋዖም እዩ።
ብሰንኪ ሓጢኣቶም፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ዕጣን ስለ ዝዓጠኑን፥ ኣእዳዎም ንዝሰርሕዎም ጣዖታት ስለ ዝሰገዱን ፍርደይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከንብር እየ።
በቲ ዘመን እቱይ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ከምዙይ ክበሃል እዩ፦ “ዘቃፅል ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብ ጓል ህዝበይ ክመፅእ እዩ” ግና ንምምሳእን ንምዝራውን ዝኸውን ኣይኮነን።
እንሆ ኸም ደመና ኾይኑ ይወፅእ ኣሎ፤ ሰረገላታቱ ኸም ኣውሎ ንፋስ እዮም፤ ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ ወይለና!
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎንን ነቶም ኣብ ማእኸላ ዝነብሩን፥ ዘጥፍእ ንፋስ ክሰደላ እየ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ እመፀኪ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከዓ፥ ኣብ ማእኸልኪ ፍርዲ ኸውፅእ እየ።
ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት።
ሽዑ ኸም ንፋስ ሓሊፉ ይኸይድ፤ ይብድልውን፤ ንሓይሉውን ከም ኣምላኽ ይገብሮ።”