Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 4:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 በቲ ዘመን እቱይ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ከምዙይ ክበሃል እዩ፦ “ዘቃፅል ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብ ጓል ህዝበይ ክመፅእ እዩ” ግና ንምምሳእን ንምዝራውን ዝኸውን ኣይኮነን።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 4:11
28 Referencias Cruzadas  

መፈንጠር ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን የዝንም፤ ጕሁር ሓዊን ዲንን ኣውሎ ንፋስን፥ ዕድል ፅዋዖም እዩ።


ስለዙይ ንጥፍኣት ጓል ህዝበይ ኣምሪረ ኽበኪ ሕደጉኒ፤ ክተፀናንዑኒ ኢልኩምውን ኣይትድከሙ፤ በልኩ።


ኰብኰቦም፤ ሰጐጎም፤ ቀፅዖም፤ ንፋስ ምብራቕ ከም ዝነፍስ ብሓያል ህቦብላ ኣወገዶም።


ክተዝርዎም ኢኻ፤ ንፋስ ከዓ ኽወስዶም፥ ንፋስ ኣውሎውን ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ ንስኻውን ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፥ ብናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኽትምካሕ ኢኻ።


ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ፤ ኵላትና ኸም ቈፅሊ ረገፍና፤ በደልናውን፥ ከም ንፋስ ፀራሪጉ ይወስደና ኣሎ።


ስለዙይ ከምቲ ንፋስ በረኻ ንሓሰር ዝብትኖ፥ ኣነውን ክብትነኩም እየ።


እዝ ቓል እዙይ ንገሮም፦ “እታ ድንግል ጓል ህዝበይ፥ ብዓብዪ መስበርቲ፥ ብብርቱዕ ቍስሊ ተወቒዓ ኣላሞ፥ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን እንተየቋረፃ፥ ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።


ናይ እግዚኣብሄር ኣውሎ ንፋስ ብቝጥዓ ይለዓል፤ ብርቱዕ ማዕበልውን ንርእሲ ኽፉኣት ክወቅዕ እዩ።


እቲ ኻባይ ዝመፅእ ንፋስ ካብኡ የመና ዝበርትዐ ክኸውን እዩ፤ ኣነውን ሕዚ ፍርደይ ክነግሮም እየ።


“እግዚኣብሄርዶ ኣብ ፅዮን የለን እዩ? ንጉሳኸ ኣብኣ የለን ድዩ?” ዝብል ኣውያት ጓል ህዝበይ፥ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። “ስለ ምንታይ ደኣ ብቕሩፅ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣዖታቶምን ዘቘጥዑኒ?”


ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፥ ለይትን መዓልትን ክበክስ፥ ርእሰይ ዒላ ማይ፥ ኣዒንተይ ድማ፥ ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ!


ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኽዅልዖምን ክፍትኖምን እየ፤ ስለ ኽፍኣት ጓል ህዝበይ፥ ካብዙይ ዝበለ እንታይ ክገብር እኽእል?


ካፍ። ስለ ጕድኣት ጓል ህዝበይ፥ ህፃናትን ዕሸላትን ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ስለ ዝተሓለሉ፥ ኣዒንተይ ብንብዓት ደኸማ፤ ኣምዑተይ ተሃወኸ፤ ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዘርገፈ።


ብምጭፍላቕ ጓል ህዝበይ፥ ካብ ዓይነይ ውሕጅ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።”


ዮድ። ርህሩሃት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፤ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።


ጋሜል። ወኻሩ እኳ ኣጥባተን ሂበን፥ ንዀራኹረን የጥብዋ፤ ጓል ህዝበይ ግና፥ ኣብ ምድረ በዳ ከም ዘለዉ ሰገናት ጨካን ኮነት።


ዋው። ሓጢኣት ህዝበይ፥ ዝኾነ ኢድ እንተይነኽኣ፥ ካብ ሓጢኣት እታ ብቕፅበት ዝተገልበጠት ሰዶም ይዓቢ።


እንሆ ምትካልስ ተተኺላ ኣላ፤ እሞ ኽትለምዕ ድያ? ንፋስ ምብራቕ ምስ ነኽኣኸ፥ ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይትነቅፅን እያ? ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትነቅፅ እያ።”


ግናኸ ብቝጥዓ ተበቈሰት፤ ኣብ ምድሪ ኸዓ ተደርበየት፤ ንፋስ ምብራቕ ድማ ንፍሪኣ ኣንቀፆ፤ ድልዱል ጨናፍራ ተሰባቢሩ ነቐፀ፤ ሓዊውን በልዖ።


ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት።


ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም።


ንፋስ ብኣኽናፋ ኣሲርዋ፤ ንሳቶምውን ካብ መስዋእቶም ዝተልዓለ ኽሓፍሩ እዮም።


ሽዑ ኸም ንፋስ ሓሊፉ ይኸይድ፤ ይብድልውን፤ ንሓይሉውን ከም ኣምላኽ ይገብሮ።”


እንሆ፥ ዘይናቶም መንበሪ ኽወርሱ፥ ኣብ ስፍሓት ምድሪ ዝኸዱ፥ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተስእ እየ።


ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”


ንሱ ዓውዱ ዘፅርየሉ፥ እኽሉ ናብ ቆፎኡ ዝኸተሉ መስአ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣሎ። ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos