Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 4:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ሽዑ ኣነ “ኣየ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በፂሑ እንተሎስ፥ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ብርግፅ ጠበርካዮ” በልኩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 4:10
21 Referencias Cruzadas  

ሙሴ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፦ “ኦ ጐይታ! ነዝ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣኽፋእኻሉ? ንኣይከ ስለ ምንታይ ነዙይ ክገብር ለኣኽካኒ?


እንተ ዘይኮነ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ዅሉ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ መኳንንትኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።


ነቶም ራእይ ዝሪኡ “ራእይ ኣይትርኣዩ” ንነቢያትውን “ቅኑዕ ትንቢት ኣይትነበዩልና፤ ዘሐጕስ ደኣ ንገሩና፤ ጥበራውን ተነበዩልና።


ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ንኸድሕና ኽከላኸለላ እየ’ ይብል ኣሎ” በሎ።


ኦ እግዚኣብሄር! ካብ መንገድኻ ኽነግልስ፥ ከይንፈርሐካ ኸዓ፥ ልብና ኽተርር ዝሓደግካና ስለ ምንታይ ኢኻ? ስለ ባሮትካ፥ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ።


ኣነ ድማ “ኣይፋልካን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ገና ቘልዓ እየሞ፤ እንሆ ኸመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ” በልኩ።


ንሳቶም ነቶም ንኣይ ዝንዕቑ፥ እግዚኣብሄር ‘ሰላም ክኾነልኩም እዩ’ ኢሉ፥ ይብልዎም፤ ነቶም ብትረት ልቦም ዝመላለሱ ዅላቶም ድማ ‘ክፉእ ነገር ኣይነኽአኩምን እዩ’ ይብልዎም።”


“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን።


ኦ ይሁዳ፥ ነዙይ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ዝወርድ ዝገበረ፥ ኣካይዳኽን ግብርኽን እዩ፤ እዙይ መሪር እዩሞ፥ ናብ ልብኺ ይበፅሕ።


ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ኢሎም ሓሰት ተናገሩ፦ “እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ዝገበሮ የለን፤ ክፉእ ኣይወርደናን እዩ፤ ውግእን ጥሜትን ኣይንርእን ኢና።


ሰላም ዘየለስ፥ ሰላምዩ እናበሉ፥ ንመውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።


ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ሰላም እናበሉ፥ ንመስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።


ሳን። ቈልዑን ኣረጋውያንን ሞይቶም ኣብ መሬት፥ ኣብ ኣደባባያት ተደርብዮም ኣለዉ፤ ጐርዞታተይን ኣጕባዘይን ከዓ ብሰይፊ ወደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻ ቐተልካዮም፤ ብዘይ ርህራሀውን ሓረድካዮም።


ኮነ ኸዓ፥ ኣነ ኽንበ እንተለኹ፥ ፊላጥያ ወዲ በናያስ ሞተ፤ ሽዑ ብግምባረይ ተደፊአ ዓው ኢለ፥ “ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤልዶ ፈፂምካ ኽተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ብትምኒት ልቦም ንስንሳቶም ሰብነቶም ከሕስሩ፥ ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።


በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ንዘነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም እንተይተረፋ፥ ነቲ ፆታዊ ባህርየን ሓዲገን፥ ንፆታዊ ባህርየን ዘይግባእ ፈፀማ።


ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነውሪ ኽፍፅሙ፥ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos