8 እቶም ዝተረፉ ባቢሎናውያን ከዓ፥ ንቤት ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣባርዕወን፤ ንቕፅርታት ኢየሩሳሌምውን ኣፍረስወን።
ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመቱ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሓለውቲ ሓሻኽር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ።
ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣንደድዋ፤ ነቲ መካበብያ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣፍረስዎ፤ ንዅሉ ኣዳራሻታውን ብሓዊ ኣቃፀልዎ፤ ነቲ ዅሉ ኽቡር ኣቑሑታ ድማ ሰባበርዎ።
ንሳቶም ድማ “እቶም ካብ ምርኮ ዝደሓኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱን፥ ኣብ ሃገሮም ብብዙሕ መከራን ፀርፍን እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከዓ ፈሪሱ እዩ፤ ኣፍ ደገታታውን ብሓዊ ተቓፂሉ እዩ” ኢሎም ነገሩኒ።
ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ነታ መሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብእዝነይ ከምዙይ በለኒ፦ “ብሓቂ ብዙሕ ዓበይትን ፅቡቕን ኣባይቲ ኽዓኑ እዩ፤ ዝነብረሉውን ኣይርከብን።
ግና ዕለተ ሰንበት ምእንቲ ኽትቕድሱ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ፀይርኹም ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ፥ ዝነገርኩኹም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ኣብ በርታት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ድማ ኸቃፅሎ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።”
ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ገፀይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣለኹ እሞ፥ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዝወግኡ ከለዳውያን ከዓ፥ ክመፁን ነታ ኸተማውን ከባርዕዋን እዮም፤ ከቘጥዑኒ ኢሎም ኣብ ሰገነት፥ ምስተን ንጣዖት በዓል ዝዓጠኑለን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ ኸቃፅልዋ እዮም።
ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸባርዓ እዩ።
እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ንዅሉ እቲ ዝዋግአኩም ሰራዊት ባቢሎናውያን እንተ እትስዕርዎ እሞ፥ ውጉኣት ሰባት ጥራሕ ካብኣቶም እንተ ዝተርፉ፥ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም ካብ ደድንኳኖም ተሲኦም፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ መባርዕዋ ነይሮም።”
“ናብ ቅፅራ ደይብኩም ኣፍርሱ፤ ግና ፈፂምኩም ኣይተጥፍእዎ፤ እቲ ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኮነን እሞ ኣርሕቕዎ።
ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
ዮድ። ፀላኢ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሃብታ ኢዱ ዘርግሐ፤ ኣብ ማሕበርካ ኸይኣትዉ ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ረአየቶም።
ቤት። እግዚኣብሄር ንዅለን መንበሪ ያእቆብ፥ ብዘይ ምሕረት ወሓጠን፤ ኣይራህረሀንውን፤ ንዕርድታት ጓል ይሁዳውን ብቝጥዓኡ ኣፍረሶ፤ ናብ ምድሪ ድማ ኣውረዶም፤ ነታ መንግስትን ንመራሕታን ከዓ ኣርከሰ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮም።
ዛይ። እግዚኣብሄር ንመሰውኢኡ ደርበየ፤ ንቤተ መቕደሱውን ፀልኦ፤ ንቕፅሪ ኣዳራሻታ ንፀላኢ ኣሕሊፉ ሃበ፤ ብዓመት በዓል ከም ዝግበር፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ብሓይሊ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
ነባይትኺ ብሓዊ ኸባርዕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኽፈርዱኺ እዮም፤ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፤ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይትህብን ኢኺ።
ጉባኤ ኸዓ ብእምኒ ወቒዖም ክቐትልወን፥ በስይፍቶም ክቘራርፅወን፥ ነወዳተንን ነዋልደንን ክቐትልዎም፥ ኣባይተንውን ብሓዊ ኸንድዱ እዮም።
ኮነ ድማ፥ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ነታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናባይ መፀ እሞ፥ እታ ኸተማስ ተትሒዛ በለኒ።
ስለዙይ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”
ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።