Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 39:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ሓሻኽሩን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብለይቲ ኻብታ ኸተማ ብመንገዲ ኣታኽልቲ ንጉስ፥ በታ ኣብ መንጎ ኽልተ ቕፅሪ ዘላ በሪ ወፂኦም ሃደሙ። ብመንገዲ ናብቲ ኣረባ ኣቢሎም እውን ኣምርሑ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 39:4
17 Referencias Cruzadas  

ሰውነቱ ኣበርቲዑ ብምስራሕ ድማ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ ቕፅሪ ፀገኖ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንደቕ ሰርሐሉ፤ ንመካበብያ ኢየሩሳሌምውን ብወፃኢ ኻልኣይ መንደቕ ሰርሐሉ። ኣብ ከተማ ዳዊት ንዘላ ሚሎን ኣጠናኸረ፤ ብዙሕ ኣፅዋርን ዋላቱን ድማ ኣዳለወ።


ነቲ ኻብ ናይ ቀደም ሓፅቢ ዝፈስስ ማይ ምእንቲ ኽትእክቡሉ፥ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቕፅሪ ሓፅቢ ገበርኩም። ግና ነቲ ነዙይ ዝፈጠረ ኣይተመልከትኩምን፤ ወይ ነቲ ኻብ ጥንቲ ነዙይ ዘዳለዎ ኣይረአኹምን።


ኵሎም መራሕትኺ ሓቢሮም ሃደሙ፤ ብዘይ ፍላፃ ኸዓ ተማረኹ። ካብ ርሑቕ ሃዲሞም ኵሎም ኣባኺ ዝተረኸቡ ብሓባር ተኣሰሩ።


ኣነ ንኣርኤር ከጨንቐላ እየ፤ ዋይ ዋይታን ቍዘማን ክኾና እዩ። ንሳውን ከም ኣርኤር ክትኮነኒ እያ።


ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ፥ ብርግፅ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክወሃብ እዩ። ገፅ ንገፅ ከዘራርቦ፥ በዒንቱውን ክሪኦ እዩ እምበር ካብ ኢድ ባቢሎናውያን ኣየምልጥን።


ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።”


እቲ ኣብ ማእኸሎም ዘሎ ሓለቓ ኣብ ማእገሩ ፆይሩ፥ ምስ ፀልመተ ኽወፅእ እዩ፤ ምእንቲ ኸውፅእዎ፥ ነቲ መንደቕ ከንኵልዎ እዮም፤ ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይሪኣ ድማ ገፁ ኽሽፈን እዩ።


ከምቲ ጐዓዝ ስደት፥ ንጐዓዝካ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ኣውፅኣዮ፤ ከምቲ ንስደት ዝወፅእ ሰብ ኴንካ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ምሸት ውፃእ።


ኣነ ኽፀልአኩም እየ፤ ፀላእትኹም ድማ ኽስዕሩኹምን ክሰጕኹምን እዮም፤ ዝሰጐጐኩም ዘየለ ድማ ኽትሃድሙ ኢኹም።


ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ፀላእቶም እንተለዉ፥ ናብ ልቦም ራዕዲ ኸእቱ እየ፤ ጠሸም ዝበለ ቘፅሊ ኸዓ የህድሞም፤ ካብ ኲናት ከም ዝሃድም ይሃድሙ፤ ዝኾነ እንተየሳጐጎምውን ይወድቁ።


ካብ ጐያዪ ህድማ ይጠፍእ፤ ብርቱዕውን ብብርተዐኡ ኣይብርትዕን፤ እቲ ሓያልውን ንነፍሱ ኣየድሕንን።


“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos