3 ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ናብኣ ኣተዉ፤ ኤርጌል ሳራስር፥ ሳምጋርናቦ፥ ራፌስ እቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኤርጌል ሳራስር፥ ራብማግ ምስ ኵሎም እቶም ካልኦት ኣሕሉቕ፥ ኣትዮም ኣብታ ማእኸለይቲ በሪ ተቐመጡ።
እቶም ሰብ ባቢሎን ከዓ ናይ ሱኮትቤኖት ዝበሃል ኣምላኽ ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ኩታ ድማ ናይ ኤርጌል ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ሃማት ከዓ ናይ ኣሲማት ጣዖት ገበሩ፤
እንሆ፥ ኣነ ንዅሎም ናይ ሰሜን መንግስታት ኣህዛብ ክፅውዖም እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ንሳቶም ከዓ መፂኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደገታት ኢየሩሳሌምን ኣብ ዙርያ ቕፅራን ኣብ ዙርያ እተን ካልኦት ከተማታት ይሁዳን ዘዙፋኖም ከንብሩ እዮም።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ።
ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ ‘ወፂእኻ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኼድካ፥ ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይትባራዕን እያ፤ ንስኻን ስድራኻን ከዓ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግና ወፂእኻ ናብ ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይኼድካ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክትወሃብ፥ ንሳቶም ከዓ ብሓዊ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ’ ይብል ኣሎ” በሎ።
ሽዑ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ናቡሽዝባን ሓለቓ ስሉባትን ኤርጌል ሳራስርን፥ ንኻልኦት ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎንን ልኢኾም፥
ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ ዝተልዓለ፥ ኣቦራ ኸጐልብበኪ እዩ፤ ብፍሩስ ቅፅሪ ኣብ ከተማ ኸም ዝኣትዉ፥ ንሱ ብኣፍ ደገታትኪ ኽአቱ እንተሎ፥ ህዱድ ብምባል ብፈረሰኛታቱን ብመንኰራዅሩን ብሰረገላታቱን፥ ቅፅርታትኪ ኽናወፅ እዩ።