18 ኣባይ ስለ ዝተኣመንካ፥ ኣነ ብርግፅ ከድሕነካ እየ። ንህይወትካ ኽተድሕና ኢኻ እምበር ብሰይፊ ውግእ ኣይትወድቕን ኢኻ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
ናብ እግዚኣብሄር ስለ ዘእወዩ እግዚኣብሄር ከዓ ረድኦም፤ ንሃግራውያንን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎምን ከዓ ኣብ ኣእዳዎም ኣሕሊፉ ሃቦም። በቲ ጊዜ ውግእ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ እሞ፥ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ሰምዖም።
ብዘመን ጥሜት ካብ ሞት፥ ብጊዜ ውግእ ካብ ሰይፊ፥ ከድሕነካ እዩ።
እግዚኣብሄር በቶም ዝፈርሕዎን፥ በቶም ብምሕረቱ ዝእመኑን ይሕጐስ።
ጐይታ ኸይቍጣዕሞ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ መንገዲ ኸይትጠፍኡስ፥ ተግሳፁ ተቐበሉ፤ ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፤ ኣብኡ ዝምዕቘቡ ዅሎም ብፁኣን እዮም።
እንሆ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብቶም ዝፈርሕዎ እየን፤ ብምሕረቱውን ናብ ዝእመንኦ እየን።
እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይቢዘው፤ ኵሎም ብእኡ ዝኣምኑ ኣይናስሑን።
ብእግዚኣብሄር ተኣመን፤ ሰናይ ድማ ግበር፤ ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፤ ተኣሚንካውን ውፈር።
ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብኣኻ ዝተኣመነ ብፁእ እዩ።
ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፥ ኣብ የማንካውን ዓሰርተ ሽሕ ክወድቁ እዮም፤ ናባኻ ግና ኣይቐርብን እዩ።
በኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፥ እዛ በኣኻ እትእመን ነፍሲ፥ ፈፂምካ ብሰላም ክትሕልዋ ኢኻ።
ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝፀንሕ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ። ግና እቲ ወፂኡ ነቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ፥ ብህይወት ይነብር፤ ንፍሱውን ከም ምርኮ ኽትኮነሉ እያ።
“ኵሉ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተርፍ፥ ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ፤ ንባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ ግና ኣይመውትን እዩ። ነፍሱ ኣትሪፉ ብህይወት ክነብር እዩ።
እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም፥ ብዘይ ሕጊ ኽጠፍኡ እዮም፤ እቶም ሕጊ እንተለዎም፥ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም ከዓ፥ በቲ ሕጊ ኽፍረዱ እዮም።
እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኢየሱስ ነቲ ንእኡ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ክብሪውን ዝሃቦ፥ ብእግዚኣብሄር ኣመንኩም።