16 “ኬድካ ነቲ ኢትዮጵያዊ ንኣቢሜሌክ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ነቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንድሕነት ዘይኮነስ ንኽፉእ ኸውርዶ እየ፤ ኢለ ተዛሪበሉ ዝነበርኩ መዓት ከውርዶ እየ። እዙይ ከዓ እንትፍፀም ንስኻ ብዓይንኻ ኽትሪኦ ኢኻ።
ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ “እቶም ህዝቢ ነቲ እታ ምድሪ ብሸውዓተ ዓመት ክተዕርፎ ዝግብኣ ዕረፍቲ ሰንበት ስለ ዘይገበሩላ፥ ንሰብዓ ዓመት ክትባድም እያ እሞ ሽዑ ኽንድቲ ዘይሓለውዎ ዕረፍቲ ሰናብቲ ክኾነላ እዩ” ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ትንቢት ተፈፀመ።
ዓይነይ ኣብ ፀላእተይ ክትርኢ እያ፤ እዝነይውን ኣብ ልዕለይ ብዝተልዓሉ ኽፉኣት ክትሰምዕ እያ።
እንተ ቐተልኩሙኒ ግና፥ ፍዳ ንፁህ ደም ኣብ ርእስኹምን፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣብቶም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ከም እተውርዱ ኣረጋጊፅኩም ፍለጡ። ንዅለን እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ክነግረኩም ዝለኣኸኒ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ” ኢለ ተዛረብክዎም።
“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
ከምኡውን ትንቢት ዝተነበየ ኦርዮ ወዲ ሸማያ፥ በዓል ቅርያትየዓሪም ነበረ። ንሱ ኸዓ ኸም ኵለን ቃል ኤርሚያስ ገይሩ፥ ኣብ ከተማን ኣብዛ ምድሪ እዚኣን ትንቢት ተናገረ።
እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ “ተዛሪበዮም ኣይሰምዑንን፤ ፀዊዐዮም ከዓ ኣይመለሱን፤ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅላቶምን፥ እቲ ዅሉ ዝተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ” ይብል ኣሎ።
ንእኡን ንደቁን ነሕሉቑን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ። ምስማዕ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኵሉ ከውርደሎም እየ ዝበልክዎ ጥፍኣት፥ ኣብኣቶምን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዘለዉን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ይሁዳን ከምፅእ እየ።”
እንሆ ድማ ኣምፅኦ፤ ሕዚ እውን ከምቲ ዝተዛረቦ ገበረ፤ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ቃሉውን ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ እዝ ነገር እዙይ በፅሐኩም።
እንሆ፥ ኣነ ንድሕነት ዘይኮነ ንኽፍኣት እተግሀሎም ኣለኹ። ኵላቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩ ሰብ ይሁዳ ኽሳዕ ዝሃልቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ፈፂሞም ክውድኡ እዮም።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት “እዝ ቓል እዙይ ስለ ዝተዛረቡ፥ እንሆ፥ ንቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ ኽገብሮ እየ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ኸም ዕንፀይቲ ኽገብሮ እየ እሞ፥ እቲ ሓዊ ኽበልዖም እዩ” ይብል ኣሎ።
ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ከም እትገብሮ ዝተነግረ፥ ኣባና ኣውረድካዮ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከምኡ ዝበለ ፈፂሙ ኣይተገብረን።
ብኢድ ፀላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱውን፥ ኣብኡ ንሰይፊ ኽእዝዝ እየ፤ ንሱውን ክቐትሎም እዩ፤ ዓይነይ ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ናብኣቶም ክገብር እየ።”
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”