15 ኤርሚያስ ኣብቲ መካበቢያ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ፦
እቶም ኣሕሉቕ የመና ዀርዮም ንኤርሚያስ ወቕዕዎ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ዝነበሩ፥ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ኣሰርዎ።
ስለዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንኤርሚያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥሞ፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ እንጀራ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ካብ ሰፈር ሰንከትቲ በብመዓልቱ ሓድሓደ እንጀራ ኽወሃቦ ኣዘዘ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
ንሳቶም ድማ ንኤርሚያስ ብገመድ ስሒቦም ካብቲ ጕድጓድ ኣውፅእዎ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
ኽሳዕ እታ ኢየሩሳሌም ዝተትሓዘትላ መዓልቲ ድማ ኤርሚያስ ኣብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
ንኤርሚያስ ካብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ናብ ቤቱ ኽወስዶ ኸዓ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ብሓደራ ሃብዎ። ኤርሚያስ ድማ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ተቐመጠ።
ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ፥ ከም ገባሪ ክፉእ ተኣሲረ፥ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ግና ኣይእሰርን እዩ።