6 ሽዑ ንኤርሚያስ ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ጕድጓድ ማይ ናይ መልክያ ወዲ እቲ ንጉስ ደርበይዎ፤ ብገመድ ኣሲሮምውን ናብኡ ኣውረድዎ። ኣብቲ ጕድጓድውን ጭቃ እምበር፥ ማይ ኣይነበረን እሞ ኣብቲ ጭቃ ተረግረገ።
ሒዞም ድማ ናብ ጕድጓድ ደርበይዎ። እቲ ጕድጓድ ማይ ዘይብሉ ንቑፅ ነበረ።
ክንዲ ሰናይ ክፉእ፥ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ከዓ ፅልኢ ፈደዩኒ።
ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት፥ ካብቲ ረግረግ ፀብሪ ድማ ኣውፅአኒ፤ ነእጋረይ ኣብ ኰዅሒ ኣቝሙ ንስጕምተይ ኣፅንዖ።
ናብ ዓሚቝ ረግረግ ጠለቕኩ፤ መቖሚውን የብለይን፤ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ በፃሕኹ፤ ማዕበልውን ኣስጠመኒ።
በቲ ጊዜ እቱይ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፤ ነቢይ ኤርሚያስውን ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ነበረ።
እኳ ድኣ እቲ ንጉስ ንኤርሚያስን ንፀሓፊኡን ሒዞም ክእሰሩ፥ ንይረሕሚኤል ወዱን ንሰራያ ወዲ ዓዝርኤልን ንሰሌምያ ወዲ ዓብድኤልን ኣዘዞም፤ ግና እግዚኣብሄር ሰወሮም።
ሽዑ ኤርሚያስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥ ተገብረ፤ ኣብኡውን ንነዊሕ መዓልቲ ፀንሐ።
ስለዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንኤርሚያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥሞ፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ እንጀራ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ካብ ሰፈር ሰንከትቲ በብመዓልቱ ሓድሓደ እንጀራ ኽወሃቦ ኣዘዘ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
ንሳቶም ድማ ንኤርሚያስ ብገመድ ስሒቦም ካብቲ ጕድጓድ ኣውፅእዎ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
እንሆ፥ ኵለን እተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ከውፅእወን እዮም፤ ክኸዳ እንተለዋ ኸዓ ‘ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፤ ኣእጋርካ ኣብ ጭቃ ተረግረገ፤ ንሳቶም ከዓ ሓደጉኻ’ ክብላኻ እየን” በልክዎ።
ሽዑ እቲ ንጉስ ድማ ኣዘዘ፤ ንዳንኤል ኣምፂኦም ከዓ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎ። እቲ ንጉስ ድማ ንዳንኤል “እቲ ዅልሻዕ እተምልኾ ኣምላኽ የናግፍካ” በሎ።
“ንኣኺ ድማ ስለ እቲ ምሳኺ ዝኣተኹዎ፥ ናይ ቃል ኪዳን ደም፥ ነቶም እሱራትኪ፥ ማይ ካብ ዘይብሉ ጕድጓድ፥ ሓራ ኣውፂአዮም ኣለኹ።
ንሱ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ተቐበለ ኸዓ፥ ናብቲ ውሽጥ ዝበለ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፤ ኣእጋሮም ድማ ብመቝሕ፥ ኣብ ጕንዲ ኣፅኒዑ ኣሰሮም።
ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን፥ ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን፥ ፅንዓት የድልየኩም እዩሞ።