Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 38:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግፅ ናብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 38:3
7 Referencias Cruzadas  

ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ገፀይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣለኹ እሞ፥ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ።


ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝፀንሕ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ። ግና እቲ ወፂኡ ነቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ፥ ብህይወት ይነብር፤ ንፍሱውን ከም ምርኮ ኽትኮነሉ እያ።


እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝተቐመጠ ንጉስን፥ ብዛዕባ እቶም ምሳኻትኩም ተማሪኾም ዘይከዱ ኣሕዋትኩም፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ዅሉ ህዝብን ከምዙይ ይብል፦


ከለዳውያን ከዓ ተመሊሶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኽዋግእዋ፥ ክሕዝዋን ብሓዊውን ከባርዕዋን እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos