26 ንስኻ ድማ ‘ኣብኣ ኸይመውትስ ናብ ቤት ዮናታን ኣይትምለሰኒ ኢለ እየ ንንጉስ ዝለመንክዎ’ በሎም።”
እቲ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ሱሳ ዝተሓገገ ናይቲ ትእዛዝ ሓደ ቕዳሕ ንኣስቴር ከርእያን ክነግራን ናብ ንጉስ ኣትያ ድማ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ኢሉ ንኣክራትዮስ ሃቦ።
እቶም ኣሕሉቕ የመና ዀርዮም ንኤርሚያስ ወቕዕዎ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ዝነበሩ፥ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ኣሰርዎ።
እምበኣር ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ጥርዓነይ ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን፤ ኣብኣ ኸይመውትስ ደጊምካ ናብ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኣይትምለሰኒ” ኢሉ ለመኖ።
ሽዑ ዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ናብ ኤርሚያስ መፂኦም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ንጉስ ዝኣዘዞ ነገሮም። እቲ ነገር ኣይተሰምዐን ነበረ እሞ፥ ስቕ ኢሎም ከዱ።
ንነቢይ ኤርሚያስውን፦ “ካብ ብዙሓት፥ ውሑዳት ከም ዝተረፍና ትሪአና ኣለኻሞ፥ በይዛኻ ልመናና ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ። ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥