Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 38:19 - መፅሓፍ ቅዱስ

19 ንጉስ ሴዴቅያስ ድማ ንኤርሚያስ “ንኣይ ኣብ ኢድ እቶም ናብ ባቢሎናውያን ዝኣተዉ ኣይሁድ፥ ኣሕሊፎም ከይህቡኒ እሞ ኸየላግፁለይ እፈርሕ ኣለኹ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 38:19
17 Referencias Cruzadas  

እቶም ልኡኻት ከዓ ኻብ ከተማ ናብ ከተማ ሓለፉ፤ ብሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ኣቢሎም ድማ ኽሳዕ ዛብሎን በፅሑ። ንሳቶም ግና ብንዕቐት ሰሓቑዎምን ኣላገፁሎምን።


ሰንባላጥ፥ ንሕና ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዐ፥ ተቘጥዐን የመናውን ሓረቐን፤ ብኣይሁድውን ኣላገፀ።


ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዝተልዓለ ፈሪሐ፥ ንዕቐት ኣዝማደይ ኣፍሪሑኒ፥ ስቕ ኢለ ናብ ደገ ዘይወፃእኹ እንተ ኾይነ፥”


ንሰብ ምፍራሕ፥ ኣብ መፃወድያ የእቱ፤ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና፥ ብሰላም ይነብር።


“ሓሰት ዝተናገርኪ፥ ንኣይውን ዘይዘከርኪ፥ ነቲ ነባርውን ኣብ ልብኺ ዘየንበርኪ፥ ንመን ሰጊእኺ ኢኺ? ኣነ ብዙሕ ጊዜ ስቕ በልኩ፤ ንስኺውን ኣይፈራሕኽን።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣታለልካኒ፤ ኣነውን ተታለልኩ፤ ንስኻ ኻባይ በርታዕኻ፥ ኣሸነፍካኒውን፤ ምሉእ መዓልቲ መላገፂ ኾንኩ፤ ኵሎምውን የባጭዉለይ ኣለዉ።


እንሆ፥ ኵለን እተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ከውፅእወን እዮም፤ ክኸዳ እንተለዋ ኸዓ ‘ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፤ ኣእጋርካ ኣብ ጭቃ ተረግረገ፤ ንሳቶም ከዓ ሓደጉኻ’ ክብላኻ እየን” በልክዎ።


ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ “ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፤ ንጉስ ኣይቃወመኩምን” በለ።


ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ከዓ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ህዝብን፥ ነቶም ቅድም ናብኡ ኸይዶም ዝነበሩ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።


ምስዙይ ኵሉ፥ ካብ ኣሕሉቕ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ፤ እንተ ኾነ ፈሪሳውያን፥ ካብ ቤተ ፀሎቶም ከየባርርዎም ስለ ዝፈርሑ፥ እምነቶም ኣየግሃዱን።


ልቦምውን የመና ምስ ተሓጐሰ “ንሶምሶን፥ ኣብ ቅድሜና ኽፃወት ፀውዕዎ” በሉ። ንሶምሶን ከዓ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኑውን ይፃወት ነበረ፤ ኣብ መንጎ ኣዕምዲ ኸዓ ደው ኣበልዎ።


ሽዑ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከመሉ ጐበዝ ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፥ ሰይፍኻ መዚዝካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጐበዝ ከዓ ወግኦ እሞ ሞተ።


ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እወ፥ ነቶም ህዝቢ ፈሪሐ ኸም ቃሎም ስለ ዝገበርኩ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ዘረባኻን ስለ ዝጠሓስኩ፥ በዲለ እየ።


ሳኦል ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝፀውር፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ወጊኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ብእኡ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ግና እምብዛ ፈሪሑ ነበረ እሞ ኣበዮ። ሽዑ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos