Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 38:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17-18 ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ ‘ወፂእኻ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኼድካ፥ ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይትባራዕን እያ፤ ንስኻን ስድራኻን ከዓ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግና ወፂእኻ ናብ ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይኼድካ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክትወሃብ፥ ንሳቶም ከዓ ብሓዊ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ’ ይብል ኣሎ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 38:17
19 Referencias Cruzadas  

እምበኣር ንኣኺ ኽብሉ ብፅቡቕ ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ኣነ ድማ ብኣኺ ምእንቲ ኽድሕንስ፥ ‘ሓፍቱ እየ’ ደኣ በሊ” በላ።


ሽዑ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳን እኖኡን ሓሻኽሩን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ሹመኛታቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወፁ። ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ንኢኮንያን ሓዞ።


ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ዮርማሮዴቅ ንጉስ ባቢሎን፥ በታ ዝነገሰላ ዓመት ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅኦ። ብፍቕሪ ድማ ተናገሮ። እዙይ ድማ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኣብ ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ።


ሽዑ ‘ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ’ እናተብሃለ ስምካ ንዘለኣለም ክፀንዕን ክዓብን እዩ። ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ፀንዐት።


ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዝፈርሑ ዅላቶም ብዛዕባ ዓመፃ እቶም ካብ ምርኮ እተመለሱ ናባይ ተኣከቡ። ኣነ ኸዓ ኽሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ሓዚነ ኾፍ በልኩ።


“ንሱ ግና በይኑ እዩ፤ ንእኡ ዝመስሎ መን እዩ? ነፍሱ ዝፈተወቶውን እዩ ዝገብር።


ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፥ በይዛኻ ተመለስ፤ ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ተመልከት፤ ረአውን፤ ነዛ ዓፀደ ወይኒ እዚኣ ብፅሐላ።


ኦ ኣምላኽ ጐይታ ሰራዊት፥ ምለሰና፤ ክንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና።


ኣነ ድማ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ልክዕ ከምዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ ነገርክዎ፤ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ስልጣን ንጉስ ባቢሎን ትሕት ኣብሉ፤ ንእኡን ንህዝቡን ከዓ ተገዝኡ እሞ፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።


ስለዙይ ኣይትስምዕዎም፤ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንንጉስ ባቢሎን ደኣ ተገዝኡ። ስለ ምንታይከ እዛ ኸተማ እዚኣ እትዓኑ?


“እቲ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ክሳዱውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባቢሎን ዘይገብር ህዝብን መንግስትን፥ ብኢዱ ኽሳዕ ዘጥፍኦ ብሰይፍን ብመቕሰፍትን ክቐፅዖ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


“ኵሉ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተርፍ፥ ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ፤ ንባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ ግና ኣይመውትን እዩ። ነፍሱ ኣትሪፉ ብህይወት ክነብር እዩ።


ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ናብኣ ኣተዉ፤ ኤርጌል ሳራስር፥ ሳምጋርናቦ፥ ራፌስ እቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኤርጌል ሳራስር፥ ራብማግ ምስ ኵሎም እቶም ካልኦት ኣሕሉቕ፥ ኣትዮም ኣብታ ማእኸለይቲ በሪ ተቐመጡ።


ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከምዙይ ኢሉ መሓለሎም “ንባቢሎናውያን እንተይፈራሕኹም ተገዝእዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ፤ ኣብዛ ሃገር ከዓ ተቐመጡ እሞ ሰናይ ክኾነልኩም እዩ።


“ሕዚ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብታ ኽትነብሩላ ኢልኩም ዝመፃእኹምዋ ሃገር ግብፂ፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ብምዕጣንኩም፥ ብግብሪ ኣእዳውኩም ስለ ምንታይ ተቘጥዑኒ ኣለኹም? ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ህፃንን ሓደ እኳ እንተይተረፈ ኻብ ማእኸል ይሁዳ ኽተፅንቱ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ መራገምን መፃረፍን ኴንኩም ክትተርፉ ኢኹም፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ርእስኹም ክንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ኽፍኣት እትፍፅሙ?


እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ ኣብ ለሰ ዝረአኽዎ ትርኢት፥ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ።


ስለዙይ ንኽንየው ደማስቆ ኸም እትማረኹ ኽገብረኩም እየ” ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos