Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 38:14 - መፅሓፍ ቅዱስ

14 ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ ናብ ኤርሚያስ ልኢኹ፥ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኣምፅኦ። “ሓንቲ ነገር ዝጥይቐካ ኣላትኒ እሞ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብአለይ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 38:14
11 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ “በይዛኺ፥ እዝ ኣነ ዝጥይቐኪ ነገር ኣይትሕብእለይ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ፥ ተዛረብ ደኣ” በለት።


መብልዕ ማእዱን ኣቀማምጣ ሹመኛታቱን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኣቶምን ንኣሰለፍቲ ወይንን፥ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘቕርቦ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ምስ ረአየት፥ ውኖኣ ተመሰጠ።


እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።


ኣብ ቤት እግዚኣብሄርውን መሰረት ናይቲ ዙፋን ሰርሐ፤ ንንጉስ ኣሶር ኢሉውን ነቲ ብወፃኢ ዘሎ መንገዲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣዞሮ።


እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር ካልእ ከይትዛረበኒ፥ ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብሓቂ ንፅቡቕ ክሕልወካ እየ፤ ብጊዜ ጭንቅን መከራንውን ፀላእትኻ ኸም ዝልምኑኻ ኽገብር እየ።


ድሕሪዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅኦ፤ ንበይኑ ወሲዱ ድማ ብሕቡእ “ብሓቂዶ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ቓል ኣለካ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኤርሚያስ ከዓ “እወ፥ ኣሎ። ንስኻ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፍካ ኽትወሃብ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።


‘ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀልየልና፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ንገረና፥ ንሕናውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፥ ንባዕልትኹም ኣታለልኩም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos