Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 38:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 እቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ ድማ ንኤርሚያስ “እዝ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ መንኰርኳዕትኻ ኣብ ትሕቲ እቲ ገመድ ግበሮ” በሎ። ኤርሚያስ ከዓ ኸምኡ ገበረ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 38:12
6 Referencias Cruzadas  

ኣቢሜሌክ ከዓ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፥ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤተ መዝገብ ኣትዩ፥ ካብኡ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብ ኤርሚያስ ናብታ ጕድጓድ ኣውረዶ።


ንሳቶም ድማ ንኤርሚያስ ብገመድ ስሒቦም ካብቲ ጕድጓድ ኣውፅእዎ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።


እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ፥ ንኤርሚያስ ናብ ጕድጓድ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ፤ ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ በሪ ብንያም ተቐሚጡ እንተሎ፥


ኣብ ንስንሳትኩም፥ ልባዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ።


ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።


ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos