11 ኣቢሜሌክ ከዓ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፥ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤተ መዝገብ ኣትዩ፥ ካብኡ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብ ኤርሚያስ ናብታ ጕድጓድ ኣውረዶ።
እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ “ካብዙይ ሰላሳ ሰብኡት ተማላእ እሞ ንነቢይ ኤርሚያስ ከይሞተ እንተሎ ኻብታ ጕድጓድ ኣውፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ።
እቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ ድማ ንኤርሚያስ “እዝ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ መንኰርኳዕትኻ ኣብ ትሕቲ እቲ ገመድ ግበሮ” በሎ። ኤርሚያስ ከዓ ኸምኡ ገበረ።
ሽዑ ንኤርሚያስ ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ጕድጓድ ማይ ናይ መልክያ ወዲ እቲ ንጉስ ደርበይዎ፤ ብገመድ ኣሲሮምውን ናብኡ ኣውረድዎ። ኣብቲ ጕድጓድውን ጭቃ እምበር፥ ማይ ኣይነበረን እሞ ኣብቲ ጭቃ ተረግረገ።
እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ፥ ንኤርሚያስ ናብ ጕድጓድ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ፤ ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ በሪ ብንያም ተቐሚጡ እንተሎ፥
ኵሉ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ነሃስን ሓፂንን ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹን፤ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ድማ ይእቶ።”