10 እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ “ካብዙይ ሰላሳ ሰብኡት ተማላእ እሞ ንነቢይ ኤርሚያስ ከይሞተ እንተሎ ኻብታ ጕድጓድ ኣውፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ።
ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበት፤ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሐላ፤ ኣስቴርውን ቅርብ ኢላ ጫፍ ዘንጉ ነኽአት።
ሽዑ ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንመርዶክዮስ ኣይሁዳውን “እንሆ፥ ሃብቲ ሃማ ንኣስቴር ሂበያ ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ንኣይሁድ ከጥፍእ ኢዱ ስለ ዝዘርግሐ ኣብ ጕንዲ ተሰቐለ።
ንዅሉ ኣቕርንቲ ሓጥኣን ክሰብሮ እየ፤ ኣቕርንቲ ፃድቃን ግና ልዕል ልዕል ክብሉ እዮም።
ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩ፤ ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ።
ኣቢሜሌክ ከዓ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፥ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤተ መዝገብ ኣትዩ፥ ካብኡ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብ ኤርሚያስ ናብታ ጕድጓድ ኣውረዶ።
እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ፥ ንኤርሚያስ ናብ ጕድጓድ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ፤ ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ በሪ ብንያም ተቐሚጡ እንተሎ፥