6 ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ መፀ፤ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ።
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣእሲሩዎ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝብል ትንቢት ትዛረብ? ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ።
ሰራዊት ፈርዖን ካብ ግብፂ ወፂኡ ነበረ እሞ፥ ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ባቢሎናውያን ንድሕሪት ተመለሱ።
“ክትጥይቑኒ ናባይ ንዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ። እንሆ ኽሕግዘኩም ዝወፀ ሰራዊት ፈርዖን ናብ ሃገሩ ግብፂ ኽምለስ እዩ።