5 ሰራዊት ፈርዖን ካብ ግብፂ ወፂኡ ነበረ እሞ፥ ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ባቢሎናውያን ንድሕሪት ተመለሱ።
ነቲ ግዝኣት ንጉስ ግብፂ ዝኾነ፥ ካብ ሩባ ግብፂ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረሞ፥ ድሕሪዙይ ንጉስ ግብፂ ምስ ሰራዊቱ ኻብ ሃገሩ ወፂኡ ኣይፈልጥን።
ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን እውን፥ ናብ ኢድ ፀላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩ ሰባትን፥ ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሓቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
ሰራዊት ባቢሎን ካብ ፍርሓት ጭፍራ ፈርዖን ዝተልዓለ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ወፀ፥
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ መፀ፤ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ክትጥይቑኒ ናባይ ንዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ። እንሆ ኽሕግዘኩም ዝወፀ ሰራዊት ፈርዖን ናብ ሃገሩ ግብፂ ኽምለስ እዩ።
ግናኸ ንሱ ኻብኡ ኸድዐ፤ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ክህብዎ፥ ልኡኻቱ ናብ ግብፂ ሰደደ፤ ክሰልጦ ድዩ? ኸምዙይ ዝበለ ዝገብርከ ኸምልጥ ድዩ? ጠላሚ ኺዳንከ የምልጥ ድዩ?
ብዙሕ ሰብ ክቐትሉ ኢሎም፥ ዕርዲ ኽዕርዱን ግንቢ ኽሰርሑን እንተለዉ ፈርዖን ከዓ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኮይኑ፥ ኣብ ውግእ ኣይረድኦን እዩ።