19 እቶም ‘ንጉስ ባቢሎን፥ ናባኻትኩምን ናብዛ ሃገር እዚኣን ኣይመፅእን እዩ’ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኣበይ ኣለዉ?
ንሱ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል “ንኣይን ንኣኻን እንታይ ዘራኽብ ኣለና? ንስኻስ ናብቶም ኣቦኻን እኖኻን ዝጥይቕዎም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኺድ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ “ኣይፋሉን፥ እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኽህበና እዩ ዝፀውዐና” በሎ።
“ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ቝፅሪ ኸተማታትካ እዮም፤ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ብጊዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምስ ይተስኡ።
ንሳቶም ነቶም ንኣይ ዝንዕቑ፥ እግዚኣብሄር ‘ሰላም ክኾነልኩም እዩ’ ኢሉ፥ ይብልዎም፤ ነቶም ብትረት ልቦም ዝመላለሱ ዅላቶም ድማ ‘ክፉእ ነገር ኣይነኽአኩምን እዩ’ ይብልዎም።”
እዝ መልእኽቲ እዙይ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ለኣኽ፦ ብዛዕባ ሸማያ በዓል ኔሔላም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሸማያ፥ ኣነ ዘይለኣኽኩዎ ስለ ዝተነበየልኩም፥ ኣብ ሓሰትውን ክትእመኑ ስለ ዝገበረኩም፥
ሰላም ዘየለስ፥ ሰላምዩ እናበሉ፥ ንመውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።
ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ሰላም እናበሉ፥ ንመስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።
ኖን። ነቢያትኪ ሓሰትን ከንቱን ሪኦምልኪ እዮም፤ ምርኮኺ ኽምልሱ፥ ሓጢኣትኪ ኣይገለፁን፤ ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቶም ዝንበዩ ዘለዉ ነቢያት እስራኤል፥ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ነቶም ካብ ልቦም ፈጢሮም ዝንበዩ ዘለዉውን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ” ኢልካ ንገሮም።
እቶም እግዚኣብሄር እንተይለኣኾም፥ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፥ ኢሎም ቃሎም ከም ዝፍፀም ዘተስፍዉ፥ ከንቱነትን ትንቢት ሓሰትን እዮም ዝረአዩ።
እቶም ስብሒ መስዋእቲ ሕሩድኩም ዝበልዑ፥ ወይኒ መስዋእቲ መስተኹም ዝሰተዩኸ ኣበይ ኣለዉ? ይተስኡ እሞ ይርድኡኹም፤ መፀግዒውን ይኹኑኹም።