18 መሊሱ ድማ ንንጉስ ሴዴቅያስ “ንኣኻን ነሕሉቕካን ነዝ ህዝቢ እዙይን እንታይ በዲለ እየ? ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምኒ?
ሽዑ ያእቆብ ተቘጢዑ ንላባ ኸምዙይ ኢሉ ወቐሶ፦ “እቲ ብናህሪ ደድሕረይ ክትግስግስ ዝገበረካ በደለይ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ እንታይ እዩ?
ክንዲ ሰናይ ክፉእ ንዝፈዲ ሰብ፥ ካብ ቤቱ መከራ ኣይርሕቕን።
ንፃድቕ ምቕፃዕ፥ ንኽቡራት ድማ ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ግቡእ ኣይኮነን።
“ግና ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳንዶ ቐቲሎምዎ እዮም? ሕዝቅያስ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑዶ ኣይኮነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ? እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኸውርዶ ሃቂንዎ ዝነበረ መዓት ሓደጎ፤ ንሕናውን ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና።”
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፁህ ስለ ዝኾንኩ፥ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ፥ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፥ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፤ ንሳቶምውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ።
ኢየሱስ ድማ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፤ ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም፥ ብእምኒ ኽትቅጥቅጡኒ ትደልዩ ዘለኹም?” በሎም።
ሽዑ ጳውሎስ፥ ነቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ኣትኲሩ እናጠመተ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ብንፁህ ሕሊና እየ ዝተመላለስኩ” በሎም።
ስለዙይ ከዓ እየ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ብንፁህ ሕሊና ኽነብር ዝፅዕር ዘለኹ።
ንሞት ዘብፅሕ ዓመፅን ክፍኣትን ገይረ እንተ ኾይነ፥ ሞት ኣይፈረደኒ ኣይብልን። እዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ብሓሰት እንተ ኾይኑ ግና፥ ናብኣቶም ኣሕሊፉ ኽህበኒ ዝኽእል የለን፤ ኣነ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ” በለ።
ኣነ ግና መርሚረ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል ከቶ ኣይረኸብኩሉን፤ ባዕሉ ‘ናብ ቄሳር ይግባይ’ ምስ በለ ኸዓ፥ ንምስዳዱ ወሲነ ኣለኹ።
ጳውሎስ ድማ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኣይሁድ ኮነ፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ፥ ወይ ኣብ ልዕሊ ቄሳር ኣይበደልኩን” ኢሉ፥ ናይ ምክልኻል መልሲ ሃበ።
ካብኡ ወፂኦም ምስ ከዱ ንስንሳቶም፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ፥ ሓንቲ ነገር እኳ ኣይገበረን ተበሃሃሉ።
እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ፥ ፀላኢ ኾይነኩም እየ?