17 ድሕሪዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅኦ፤ ንበይኑ ወሲዱ ድማ ብሕቡእ “ብሓቂዶ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ቓል ኣለካ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኤርሚያስ ከዓ “እወ፥ ኣሎ። ንስኻ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፍካ ኽትወሃብ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
ናብ ንጉስ ምስ መፀ ድማ እቲ ንጉስ “ኣታ ሚክያስ፥ ከይድናዶ ንሬማት ዘገለዓድ ክንዋግኣ፥ ወይ ክንተርፍ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ደይብ፤ ክቐንዐካ ድማ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዓወት ክህበካ እዩ” በሎ።
እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።
ንደቂ ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረድዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣዒንቱ ኣዕወርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብሓቂ ንፅቡቕ ክሕልወካ እየ፤ ብጊዜ ጭንቅን መከራንውን ፀላእትኻ ኸም ዝልምኑኻ ኽገብር እየ።
ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ኣነ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ተረፍ ኢየሩሳሌምን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩን ግና፥ ከምቲ ሕማቕ ክብላዕ ዘይከኣል በለስ ገይረ ኸርእዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቶም ጓሶት ምህዳም ኣይኽእሉን፤ እቶም መራሕቲ መጓሰ ድማ ኣየምልጡን እዮም።
ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ ንዮካል ወዲ ሰለምያን፥ ንሶፎንያስ ወዲ መእሴያ እቲ ኻህንን፥ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀሊ ኢሉ፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ለኣኸ።
ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ “ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፤ ንጉስ ኣይቃወመኩምን” በለ።
ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ሰዓብዎ፤ ንሴዴቅያስ ድማ ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ሓዝዎ። ሰራዊቱ ድማ ሓዲጎምዎ ፋሕ በሉ።
መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ክመፅእ፥ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ክኸውን እዩ፤ ካብ ነቢይ ራእይ ክደልዩ እዮም፤ ግናኸ፥ ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪውን ካብ ኣረጋውያን ክጠፍእ እዩ።
በለዓም ናብ ባላቅ ምስ ተመለሰ፥ እንሆ ምስ ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ። ባላቅ ድማ “እግዚኣብሄር እንታይ በለካ?” በሎ።
ዮሃንስ፥ ቅዱስን ፃድቕን ሰብ ከም ዝኾነ ንጉስ ሄሮድስ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ ይፈርሖን ይሕልዎን ነበረ። ሄሮድስ ዘረባ ዮሃንስ እንትሰምዕ የመና ይጭነቕ ነበረ፤ ይኹን እምበር እናተሓጐሰ ይሰምዖ ነበረ።