16 ሽዑ ኤርሚያስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥ ተገብረ፤ ኣብኡውን ንነዊሕ መዓልቲ ፀንሐ።
ኣነ ኻብ ምድሪ ዕብራውያን ሰሪቖም ዘምፅኡኒ እየ፤ ኣብዝ ቤት ማእሰርቲ ዘእቱ በደል ድማ ኣይገበርኩን” በሎ።
ሽዑ ንኤርሚያስ ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ጕድጓድ ማይ ናይ መልክያ ወዲ እቲ ንጉስ ደርበይዎ፤ ብገመድ ኣሲሮምውን ናብኡ ኣውረድዎ። ኣብቲ ጕድጓድውን ጭቃ እምበር፥ ማይ ኣይነበረን እሞ ኣብቲ ጭቃ ተረግረገ።
ህይወተይ ኣብ ጕድጓድ ኣጥፍኡ፤ ኣብ ልዕለይውን እምኒ ደርበዩ።
“ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ ኮይነ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ስምካ ፀዋዕኹ።