14 ኤርሚያስ ድማ “ሓሰት እዩ፤ ከዲዐ ናብ ባቢሎናውያን ምኻደይ ኣይኮነን” በለ። የርያ ግና ኣይሰምዖን። እኳ ድኣ ሒዙ ናብ ኣሕሉቕ ወሰዶ።
ሽዑ ኣነ “እዙይስ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ደኣ እዩ እምበር፥ እቲ ዝበልካዮ ነገር ሓቂ ኣይኮነን” ኢለ ለኣኽኩሉ።
ናይ ሓሰት መሰኻኽርን ዓመፅትን ተልዒሎሙኒ ኣለዉሞ፥ ንድሌት ፀላእተይ፥ ኣሕሊፍካ ኣይተሃበኒ።
መሰኻኽር ዓመፃ ተልዓሉኒ፤ ዘይፈልጦ ነገርውን ኣብ ልዕለይ ተናገሩ።
ኵሉ ሰብ ፅቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፥ ወይለኹም! ኣቦታቶምውን ንሓሰውቲ ነቢያት ከምኡ ይገብሩሎም ነይሮም እዮም እሞ።
እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘለኩም ሰናይ ኣካይዳኹም ዝፀርፉ፥ በቲ ዝፀርፍዎ ምእንቲ ኽሓፍሩ፥ ንፁህ ሕሊና ይሃሉኹም።