11 ሰራዊት ባቢሎን ካብ ፍርሓት ጭፍራ ፈርዖን ዝተልዓለ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ወፀ፥
ንዅሉ እቲ ዝዋግአኩም ሰራዊት ባቢሎናውያን እንተ እትስዕርዎ እሞ፥ ውጉኣት ሰባት ጥራሕ ካብኣቶም እንተ ዝተርፉ፥ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም ካብ ደድንኳኖም ተሲኦም፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ መባርዕዋ ነይሮም።”
ኤርሚያስ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ብፅሒት ርስቱ ኽቕበል ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ምድሪ ብንያም ክኸይድ ተልዓለ።
ሰራዊት ፈርዖን ካብ ግብፂ ወፂኡ ነበረ እሞ፥ ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ባቢሎናውያን ንድሕሪት ተመለሱ።