Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 36:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ስለዙይ ንስኻ ኺድ እሞ ነቲ ኻብ ኣፈይ ናብቲ ጥቕሉል መፅሓፍ ዝፀሓፍካዮ ቓል እግዚኣብሄር፥ በታ መዓልቲ ፆም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እዝኒ ዅሎም እቶም ህዝቢ ኣንብቦ። ኣብ እዝኒ እቶም ከካብ ከተማታቶም ዝመፁ ህዝቢ ይሁዳ ኣንብበሎም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 36:6
13 Referencias Cruzadas  

እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ።


ኤርሚያስውን ካብቲ እግዚኣብሄር ትንቢት ክናገር ልኢኹዎ ኻብ ዝነበረ ቦታ ኻብ ቶፌት ተመለሰ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ደው በለ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ በሎም፦


ኣታ ኣብ ዙፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፥ ንስኻን ባሮትካን ህዝብኻን፥ ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ንገሮም ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፥ ሓንቲ ቓል እኳ እንተየጕደልካ ንገሮም።


“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ።


ኤርሚያስ ድማ ሽዑ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ፀውዖ፤ ባሮክውን ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኻብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝጥቕለል መፅሓፍ ፀሓፎ።


“ኣብ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ደው በል፤ እዝ ቓል እዙይውን ከምዙይ ኢልካ ተናገር፦ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደገታት እዚኣተን እትኣትዉ ሰብ ይሁዳ ኵልኻትኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦


“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”


ከምዙይ ኢሉውን ብዙሕ ጊዜ ሓለፈ፤ እቲ መዓልቲ ፆም ኣይሁድ ምስ ሓለፈ፥ ብባሕሪ ምጕዓዝ ዘፀግመሉ ወርሓት ስለ ዝኾነ፥ ጳውሎስ፦


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos