32 ሽዑ ኤርሚያስ ካልእ ጥቕልልቲ ብራና ወሲዱ ንፀሓፊኡ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ሃቦ። ንሱውን ነተን ኣብታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ወሲዱ ዘንደዳ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ ዅለን ቃላት፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብኣ ፀሓፈን። ካልእ እውን ንኣኣተን ዝመስላ ብዙሓት ቃላት ተወሰኻአን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓላት፥ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ።
ባሮክ ከዓ “እወ፥ እዝ ዅሉ ብኣፉ ይነግረኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ኣብቲ መፅሓፍ ብቐለም እፅሕፎ ነበርኩ” ኢሉ መለሰሎም።
ይሁዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓምዲ ምስ ኣንበበ እቲ ንጉስ ነቲ ብራና ብካራ እናቐደደ፥ ናብቲ ኣብ ምድጃ ዘሎ ሓዊ ደርበዮ። እታ ጥቕልልቲ ብራና ድማ ብምልእታ ኣብቲ ሓዊ ምድጃ ሞዅ በለት።
ኤርሚያስ ድማ ሽዑ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ፀውዖ፤ ባሮክውን ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኻብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝጥቕለል መፅሓፍ ፀሓፎ።
ሽዑ ናቡከደነፆር ብሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን የመና ተቘጥዐ፤ ትርኢት ገፁውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ኢድ ኣበርቲዖም ከንድድዎ ኣዘዘ።
ብልጣሶር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ዳንኤል ኣብ ዓራቱ እንተሎ ሕልምን ራእይን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ፀሓፎ፤ ርእሰ ነገሩውን ተናገረ፤
ድሕሪ እዝ ዅሉ ገና እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
እንተ ተፃሪርኩምኒ፥ ክትሰምዑኒ እውን እንተ ዘይፈቲኹም፥ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
ኣነ ኸዓ ንኣኻትኩም ክፃረረኩም እየ፤ ብሓጢኣትኩም እውን ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
ኣነ ድማ ብቝጥዓ እናተፃረርኩኹም እኸይድ እሞ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ኽቐፅዐኩም እየ።
ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝፀሓፍኩ፥ ኣነ ጠርጥዮስ፥ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣለኹ።
ኣነ፥ ነዝ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዘሎ ቓል ትንቢት ንዝሰምዑ ዅሎም፥ እምስክረሎም ኣለኹ፤ ዝኾነ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እዙይ እንተ ወሰኸ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፎም ዘለዉ መቕሰፍትታት፥ ክውስኸሉ እዩ።